24 ጥሪ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 25 ጥሪ: ዕለታዊ ብርሃን, 25 ጥሪ: ኵሎም እቶም ዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝፀድቁ
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ኵሎም እቶም ዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝፀድቁ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እዩ።
ሮሜ 3:22
ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:21
“ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቐለ፥ ዝተረገመ እዩ” ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ።
ገላትያ 3:13
ብእግዚኣብሄር ይመካሕ ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ካብ እግዚኣብሄር ጥበብን፥ ፅድቅን፥ ቅድስናን፥ ቤዛን ዝዀነልና፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘለኹም።
1ይ ቆሮንቶስ 1:30
ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ብምሕረቱ፥ በቲ ኻልኣይ ልደት ዝህብ ምሕፃብን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን ኣድሓነና። ብፀጋኡ ፀዲቕና፥ ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን፥ ብመድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ፥ ንመንፈስ ቅዱስ፥ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።
ቲቶ 3:5–6
ምእንቲ እቲ ማዕረ ዘይብሉ፥ ፍልጠት ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ነገር ከም ከንቱ ቘፀርክዎ። ምእንታኡ ኽብል፥ ኵሉ እስእን ኣለኹ። ንእኡ ኽረክብን ምስኡ ክኸውንን ከዓ፥ ንዅሉ ኸም ጐሓፍ እቘፅሮ ኣለኹ። እዙይ ከዓ፥ ነቲ ኣብ ሕጊ ብምፍፃም ዝተመስረተ ናይ ባዕለይ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ንክርስቶስ ብምእማን ዝተመስረተ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነ ፅድቂ ንምርካብ እዩ።
ፊልጵስዩስ 3:8–9
ናብ ፍርሓት ክትምለሱ፥ መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን።
ሮሜ 8:15
ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቈላሕ ኣቢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ! ... ኣነውን ናባኻ እመፅእ ኣለኹ። ... ኦ ፃድቕ ኣቦ!
ዮሃንስ 17:1, 11, 25
ኣባ፥ ኣቦይ!
ማርቆስ 14:36
ውሉድ ስለ ዝኾንኩም ከዓ፥ ነቲ “ኣባ፥ ኣቦ” ኢሉ ዝፅውዕ መንፈስ ወዱ፥ ናብ ልብኹም ለኣኾ።
ገላትያ 4:6
ክልቴና ብእኡ ጌርና፥ ብሓደ መንፈስ፥ ናብ ኣብ እንኣቱ ኢና እሞ። እምበኣር ንስኻትኩም፥ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝኾነ፥ መሰረት ነቢያትን ሃዋርያትን ዝተሃነፅኩም፥ ደጊም ንቕዱሳን ደቂ ዓዶም፥ ንእግዚኣብሄር ድማ፥ ቤተሰቡ ኢኹም እምበር፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ኣይኮንኩምን።
ኤፌሶን 2:18–19
ኣቦና ንስኻ ኢኻ፤ ... ንስኻ ኣቦና ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ፥ ካብ ዘለኣለም ተቤዛዊና እዩ።
ኢሳይያስ 63:16
ተሲአ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፦ ኣቦይ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሜኻን፥ ሓጢኣት ገይረ እየ። ‘ደጊም ወድኻ ኽበሃል ኣይግብአንን እዩ፤ ካብቶም ሓሻኽርካ ኸም ሓደ ቝፀረኒ ኽብሎ እየ’ በለ። ተሲኡ ድማ ናብ ኣቦኡ ተመለሰ።
ሉቃስ 15:18–20
እምበኣር ከም ፍቑራት ውሉድ፥ ተኸተልቲ እግዚኣብሄር ኩኑ።
ኤፌሶን 5:1
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ23 ጥሪ 2024
ሮሜ 5:5 · ኢሳይያስ 49:23
22 ጥሪ 2024
ዳዊት 48:14 · ኢሳይያስ 25:1
21 ጥሪ 2024
ዮሃንስ 15:2 · ሚልክያስ 3:2–3
20 ጥሪ 2024
ኢሳይያስ 9:6 · ዮሃንስ 1:14
19 ጥሪ 2024
ግብሪ ሃዋርያት 20:19 · ማቴዎስ 20:26–28
18 ጥሪ 2024
ሮሜ 5:14 · ዕብራውያን 2:9






