23 ጥሪ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 24 ጥሪ: ዕለታዊ ብርሃን, 24 ጥሪ: እቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝሞቱ ኸዓ፥ ቀዲሞም ክትስኡ እዮም
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ጐይታ ቐረባ እዩ።
ፊልጵስዩስ 4:5
ጐይታ ባዕሉ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝን፥ ብድምፂ ሊቀ መላእኽትን፥ ብመለኸት እግዚኣብሄርን፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ። እቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝሞቱ ኸዓ፥ ቀዲሞም ክትስኡ እዮም። ብድሕሪዙይ ንሕና ብህይወት እንፀንሕ፥ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፥ ምስኣቶም ሓቢርና፥ ብደመና ክንዓርግ ኢና። ንሓዋሩ ድማ፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን፥ ንስንሳትኩም ተፀናንዑ።
1ይ ተሰሎንቄ 4:16–18
እቲ ነዝ ነገር እዙይ ዝምስክር፥ “እወ፥ ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ” ይብል ኣሎ። ኣሜን፥ ጐይታ ኢየሱስ ነዓ።
ራእይ 22:20
ስለዙይ ከዓ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ ነዙይ እናተፀበኹም፥ ብዘይ ነውርን፥ ብዘይ ነቐፋን ኴንኩም፥ ብሰላም ምእንቲ ኽረኽበኩም፥ ብትግሃት ንበሩ።
2ይ ጴጥሮስ 3:14
ክፉእ ካብ ዝኾነ ኵሉ ረሓቑ። ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ፥ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፤ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን፥ ብምፅኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዘይ ነቐፋ ምእንቲ ኽርከብ ይተሓሎ። እቲ ዝፀውዐኩም እሙን እዩ፤ ንሱውን ክገብሮ እዩ።
1ይ ተሰሎንቄ 5:22–24
ንስኻትኩም ከዓ፥ ምፅኣት ጐይታ ስለ ዝቐረበ ተዓገሱ፤ ልብኹምውን ኣፅንዑ።
ያእቆብ 5:8
ንዒሉኡ ድማ ኣብ ብሉፅ ጨንፈር ወይኒ ኽኣስር እዩ።
ዘፍጥረት 49:11
ንፈታዊየይ ኣብ ልዕሊ ፍርያም ኰረብታ፥ ናይ ወይኒ ቦታ ነበሮ። ኰዓቶ፤ ነእማኑ ኸዓ ኣርዩ ኣውፅኦ እሞ፥ ዝተመረፀ ተኽሊ ወይኒ ተኸለሉ፤ ... መፅመቚ ወይኒ ኸዓ ኣብ ውሽጡ ዀዓተሉ። ወይኒ ኸፍሪውን ተፀበየ፤ ግና መፂፅ ፍረ ፈረየ።
ኢሳይያስ 5:1–2
ኣነ ኸም ሕሩይ ሃረግ ወይኒ፥ ካብ ፅሩይ ዘርኢ ገይረ ተኸልኩኺ፤ ከመይ ኢልኪ ደኣ፥ ናብ ድቃላ ሃረግ ወይኒ ተለወጥኪ?
ኤርሚያስ 2:21
ተግባር ስጋ ግሁድ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ዝሙት፥ ርኽሰት፥ ስድነት፥ መንቀኝነት፥ ምቕታል፥ ስኽራን፥ ስድነት ዘለዎ ጐይላ ... ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ልግሲ፥ ሕያዋይነት፥ እምነት፥ ለውሃት፥ ንባዕልኻ ምግዛእ እዩ።
ገላትያ 5:19, 21–23
“ኣነ፥ ናይ ብሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፤ ተኻሊኡ ኸዓ ኣቦይ እዩ። ነቲ ዅሉ ኣባይ ዘሎ፥ ፍረ ዘይፈሪ ጨንፈር የወግዶ፤ ነቲ ፍረ ዝፈሪ ጨንፈር ግና፥ ብዙሕ ምእንቲ ኽፈሪ የፅርዮ። ኣባይ ንበሩ፤ ኣነውን ኣባኻትኩም ክነብር እየ፤ ... ብዙሕ ፍረ እንተ ፈረኹም፥ ኣቦይ በዙይ ክኸብር እዩ፤ ንስኻትኩምውን ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ክትፍለጡ ኢኹም።
ዮሃንስ 15:1–2, 4, 8
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ22 ጥሪ 2024
ዳዊት 48:14 · ኢሳይያስ 25:1
21 ጥሪ 2024
ዮሃንስ 15:2 · ሚልክያስ 3:2–3
20 ጥሪ 2024
ኢሳይያስ 9:6 · ዮሃንስ 1:14
19 ጥሪ 2024
ግብሪ ሃዋርያት 20:19 · ማቴዎስ 20:26–28
18 ጥሪ 2024
ሮሜ 5:14 · ዕብራውያን 2:9
17 ጥሪ 2024
ኢሳይያስ 38:17 · 1ይ ዮሃንስ 4:9–10




