21 ለካ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 22 ለካቲት: ዕለታዊ ብርሃን, 22 ለካቲት: ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ መን እዩ? (ዳዊት 25:12)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ መን እዩ? በቲ ንሱ ዝመረፆ መንገዲ ይመርሖ።
ዳዊት 25:12
“ናይ ሰብነት መብራህቲ ዓይኒ እዩ፤ እምበኣር ዓይንኻ ጥዑይ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኵሉ ሰብነትካ ብሩህ ይኸውን።
ማቴዎስ 6:22
ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፥ ንመንገደይ ብርሃን እዩ።
ዳዊት 119:105
ንየማን ወይ ንፀጋም እንተ ኣግለስካ፥ ብድሕሬኻ “እታ መንገዲ እዚኣ እያ ብኣኣ ኺድ” ዝብል ድምፂ ኣእዛንካ ኽሰምዓ እየን።
ኢሳይያስ 30:21
ኣነ ኽምህረካ እየ፤ በታ እትኸደላ መንገዲውን ክመርሐካ እየ፤ ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ኸፅንዕ እየ። ናባኻ ኸይቐርቡ፥ ብልባብን ብልጓምን ከም ዝግርሑ፥ ልቢ ኸም ዘይብሎም ኣፍራስን ኣባቕልን ኣይትኹኑ። መቕሰፍቲ ሓጥኣን ብዙሕ እዩ፤ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና ምሕረት ይኸቦ። ኦ ፃድቃን፥ ብእግዚኣብሄር ደስ ይበልኩም፤ ተሓጐሱውን፤ ኵልኻትኩም ቅኑዓት ልቢ ድማ ዕልል በሉ።
ዳዊት 32:8–11
ኦ እግዚኣብሄር፥ ህይወት ሰብ፥ ኣብ ኢዱ ኸም ዘይኮነት እፈልጥ እየ፤ ኣካይዳኡውን ኣቕኒዑ ኽመርሕ፥ ካብ ባዕሉ ኣይኮነን።
ኤርሚያስ 10:23
ኣብ ድቃስካ ኣይትፈርሕን ኢኻ፤ ክትድቅስ ኢኻ፥ ድቃስካውን ጥዑም ክኸውን እዩ።
ምሳሌ 3:24
ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ ተልዓለ፤ እታ ጃልባ ኽሳዕ ማይ እትመልእ ድማ፥ እቲ ማዕበል ናብታ ጃልባ ይኣቱ ነበረ። ኢየሱስ ግና ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ።
ማርቆስ 4:37–38
ንዅሉ ነገር፥ ብፀሎትን ልመናን ምስ ምስጋና ድልየትኩም ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ እምበር፥ ብሓደኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ምስትውዓል ንላዕሊ ዝኾነ፥ ሰላም እግዚኣብሄር ድማ፥ ንልብኹምን ሓሳብኩምን፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ክሕልዎ እዩ።
ፊልጵስዩስ 4:6–7
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብእምነት እተሕድረኒ እሞ፥ እህርስን ብሰላም እድቅስን ኣለኹ።
ዳዊት 4:8
ካብ ዝተቐመጥኩምዎ ተስኡ።
ዳዊት 127:2
ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎ እንተለዉ ኸዓ እስጢፋኖስ “ኦ ጐይታ ኢየሱስ! ንነፍሰይ ተቐበላ” ኢሉ ፀለየ። ተንበርኪኹ ኸዓ ብዓብዪ ድምፂ “ኦ ጐይታ፥ ነዙ ሓጢኣት እዙይ ኣይትቝፀረሎም” በለ። እዙይ ምስ በለውን ዓረፈ።
ግብሪ ሃዋርያት 7:59–60
ምስ ጐይታ ኽንነብር ይሕሸና ኢልና፥ ብትብዓት ንዛረብ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:8
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ20 ለካ 2024
ኢሳይያስ 53:11 · ዮሃንስ 19:30
19 ለካ 2024
ምሳሌ 2:6 · ምሳሌ 3:5
18 ለካ 2024
ኤርሚያስ 17:17 · ዳዊት 4:6
17 ለካ 2024
ዘሌዋውያን 4:12 · ዮሃንስ 19:16
16 ለካ 2024
መሃልየ 1:3 · ኤፌሶን 5:2
15 ለካ 2024
ምሳሌ 20:9 · ዳዊት 14:2–3



