28 ለካ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 29 ለካቲት: ዕለታዊ ብርሃን, 29 ለካቲት: እታ ሕርይቲ ሰዓት ሕዚ እያ (2ይ ቆሮንቶስ 6:2)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
መዓልቲ ዘምፅኦ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፥ ፅባሕ ብዝኸውን ኣይትመካሕ።
ምሳሌ 27:1
እታ ሕርይቲ ሰዓት ሕዚ እያ፤ እታ መዓልቲ ምድሓንውን ሕዚ እያ።
2ይ ቆሮንቶስ 6:2
ብርሃን ምሳኻትኩም ኣሎ፤ ስለዙይ ፀልማት እንተየርከበኩም፥ ብብርሃን ተመላለሱ፤ እቲ ብፀልማት ዝመላለስ፥ ናብ ዝኸዶ ኣይፈልጥን እዩ እሞ። ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ብርሃን እንተለኩም ብብርሃን እመኑ በሎም።
ዮሃንስ 12:35–36
ኣብቲ እትኸዶ መቓብር፥ ስራሕን ትልምን ፍልጠትን ጥበብን የለን እሞ፥ ነቲ እትገብሮ ዅሉ ብዘለካ ሓይሊ ፈፅሞ።
መክብብ 9:10
ንብዙሕ ዓመታት ዝኣክል፥ ብዙሕ ዝተኣከበ ሃብቲ ኣለኪ እሞ ኣዕርፊ፤ ብልዒ፤ ስተዪ፤ ተሓጐሲ፤ ክብላ እየ’ በለ። ... ኣታ ዓሻ! በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ንነፍስኻ ኻባኻ ኽወስድዋ እዮም፤ እዝ ዝኣከብካዮ ደኣ ንመን ክኸውን እዩ?’ በሎ። እቲ ንባዕሉ ሃብቲ ዝእክብ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ግና ሃብታም ዘይኮነ፥ ከምኡ እዩ።”
ሉቃስ 12:19–21
ህይወትኩምከ እንታይ እያ? ንቑሩብ ጊዜ ተርእዩ ኸም ዝጠፍእ ግመ ኢኹም።
ያእቆብ 4:14
ዓለምን፥ እቲ ዅሉ ፍትወታን፥ ሓላፋይ እዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝገብር ግና፥ ንዘለኣለም ይነብር።
1ይ ዮሃንስ 2:17
ንስኻ ግና ዅልሻዕ ንስኻ ኢኻ፤ ዓመታትካውን ከቶ ኣይውዳኣን እየን።
ዳዊት 102:27
እምባታት እንተይተወለዱ፥ ምድርን ዓለምንውን እንተይተፈጠሩ፥ ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንስኻ ኢኻ።
ዳዊት 90:2
“ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ፤ ስለዙይ ኣቱም ዘርኢ ያእቆብ፥ ፈፂምኩም ኣይጠፋእኹምን።
ሚልክያስ 3:6
ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ፤ ኣይልወጥን።
ዕብራውያን 13:8
ኵሉ ፅቡቕ ውህብቶን፥ ፍፁም በረኸትን፥ ካብ ላዕሊ እዩ፤ ካብቲ ዘይለዋወጥ ወይ ብምዝውዋር ዝኸውን ፅላሎት ዘይብሉ፥ ካብ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዝወርድ።
ያእቆብ 1:17
እግዚኣብሄር፥ ብውህብቶኡን ፃውዒቱን፥ ኣይናሳሕን እዩ እሞ።
ሮሜ 11:29
እግዚኣብሄር ሓሰት ከይዛረብ ሰብ ኣይኮነን፤ ከይናሳሕ ከዓ ወዲ ሰብ ኣይኮነን።
ዘሑልቍ 23:19
ሔት። ፈፂምና ዘይጠፋእናስ፥ ካብ ምሕረት እግዚኣብሄር ዝተልዓለ እዩ፤ ርህራሄኡ ኣይውዳእን እዩ እሞ።
ሰቆቃወ 3:22
ኢየሱስ ግና ንዘለኣለም ዝነብር ስለ ዝኾነ፥ ዘይሓልፍ ክህነት ኣለዎ። ስለዙይ ድማ ዅሉ ጊዜ ምእንትኣቶም ክማልድ፥ ንዘለኣለም ህያው ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ዝመፁ፥ ንዘለኣለም ከድሕኖም ይኽእል እዩ።
ዕብራውያን 7:24–25
ኣይትፍራሕ፤ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን።
ራእይ 1:17
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ27 ለካ 2024
ሮሜ 6:11 · ዮሃንስ 5:24
26 ለካ 2024
ሰቆቃወ 3:40 · ዳዊት 26:2
25 ለካ 2024
ያእቆብ 4:7 · ኢሳይያስ 59:19
24 ለካ 2024
ሕዝቅኤል 36:37 · ያእቆብ 4:2
23 ለካ 2024
ዕብራውያን 12:24 · ዮሃንስ 1:29
22 ለካ 2024
ዳዊት 25:12 · ማቴዎስ 6:22





