ናይ መዓልቲ ብርሃን — 28 ለካቲት: ዕለታዊ ብርሃን, 28 ለካቲት: እቲ ዘየፍቅር ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጦን (1ይ ዮሃንስ 4:8)

ናይ መዓልቲ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

“ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ከይጠፍእስ፥ እግዚኣብሄር ንሓደ ወዱ ቤዛ ገይሩ ኽሳዕ ዝህብ፥ ክንድዙይ ንዓለም ኣፍቀሮ።

ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ ገይሩ ዝተዓረቐና፥ ኣገልግሎት ዕርቂ እውን ካብ ዝሃበና፥ እግዚኣብሄር እዩ። እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ገይሩ፥ ንዓለም ምስ ባዕሉ ኽዓርቕ እንተሎ፥ በደሎም ኣይቈፀረሎምን፤ ኣባናውን ቃል ዕርቂ ኣንበረ። ስለዙይ ንሕና ናይ ክርስቶስ መልእኽተኛታት ኢና፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ብኣና ገይሩ ይዕድም ኣሎ። ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ድማ “ምስ እግዚኣብሄር ተዓረቑ” እናበልና፥ ክንዲ ክርስቶስ ንልምነኩም ኣለና። ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።

እቲ ዘየፍቅር ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጦን። እግዚኣብሄር፥ ብወዱ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር፥ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፥ በዙይ እዩ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸልና ዝተገልፀ። ፍቕሪ እዙይ እዩ፤ ንሕና ንእግዚኣብሄር ስለ ዘፍቀርናዮ ዘይኮነስ፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሓጢኣትና ቤዛ ክኸውን ንወዱ ምስዳዱ እዩ። ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረና፥ ንሕናውን ንስንሳትና ኽንፋቐር ይግብአና እዩ።

ናይ ሰብ መንፈስ፥ መብራህቲ እግዚኣብሄር እዩ።

ቅንዕ ኢሉ “ካባኻትኩም ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ኣቐዲሙ ብእምኒ ይውቀዓያ” በሎም። ንሳቶም ግና እዙይ ምስ ሰምዑ ሕሊናኦም ወቒስዎም፥ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕረዎት ኵሎም በብሓደ ወፁ። ኢየሱስ በይኑ ተረፈ።

ንሱ ድማ “ጥራሕኻ ምዃንካ መን ነገረካ? ካብታ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕኻ ኢኻ?” በሎ።

እቲ ኽገብሮ ዝግብኦ ሰናይ ነገር ዝፈልጥ እሞ ዘይፍፅሞ፥ ንእኡ ሓጢኣት ይኾኖ እዩ።

ካብ ሓቂ ወገን ምዃንና ኸዓ፥ በዙይ ክንፈልጥ ኢና፤ ሕሊናና እንተ ወቐሰና፥ እግዚኣብሄር፥ ካብ ኵሉ ዝዓብን፥ ኵሉ ዝፈልጥን ስለ ዝኾነ፥ ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ኽነህድኦ ኢና። ኣቱም ፍቑራተይ፥ ልብና እንተ ዘይወቐሰና ግና፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትብዓት ኣለና።

ንስራሕ እግዚኣብሄር ኣይተፍርሶ። ብርግፅ ዅሉ ንፁህ እዩ፤ ነቲ ብምውልዋል ዝበልዕ ሰብ ግና፥ ክፉእ እዩ። ... እቲ በቲ ቕኑዕ እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ፥ ንባዕሉ ዘይፈርድ ሰብ፥ ብፁእ እዩ።

ኦ ጐይታ፥ መርምረኒ፤ ንልበይውን ፍለጥ፤ ፈትነኒ፤ መንገደይውን ፍለጥ፤ በደልውን ኣባይ ዝርከብ እንተ ደኣ ኾይኑ ረአ፤ በቲ ናይ ዘለኣለም መንገድውን ምርሐኒ።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።

ናይ ቀረባ መዓልታት

ኩሉ ርአ