9 መጋ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 10 መጋቢት: ዕለታዊ ብርሃን, 10 መጋቢት: ክሳዕ ሎሚ “ኣብቲ እምባ እግዚኣብሄር፥ ከዳሉ እዩ” ይበሃል
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ኣብርሃም ከዓ ነቲ ቦታ እቱይ “እግዚኣብሄር ከዳሉ እዩ” ኢሉ ሰመዮ። ክሳዕ ሎሚ “ኣብቲ እምባ እግዚኣብሄር፥ ከዳሉ እዩ” ይበሃል።
ዘፍጥረት 22:14
እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን በጊዕስ እግዚኣብሄር ከዳሉ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
ዘፍጥረት 22:8
እንሆ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓፃር ኣይኮነትን፤ ከይሰምዕ ኸዓ እዝኑ ኣይፀመመትን እያ።
ኢሳይያስ 59:1
ሓጢኣቶም ምስ ኣርሓቕኩ ኸዓ፥ እቲ ምስኣቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ ዝብሎ፥ እስራኤላውያን ብምሉኦም ክድሕኑ እዮም።
ሮሜ 11:26
ረዳኢኡ ኣምላኽ ያእቆብ ዝኾነ፥ ተስፋኡውን ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ዝኾነ ሰብ ብሩኽ እዩ።
ዳዊት 146:5
እንሆ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብቶም ዝፈርሕዎ እየን፤ ብምሕረቱውን ናብ ዝእመንኦ እየን። ንሱ ንነፍሶም ካብ ሞት የድሕን።
ዳዊት 33:18–19
ኣምላኸይ ከም መጠን ሃብቱ፥ ብኽብሪ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ኵሉ ድልየትኩም ክመልአልኩም እዩ።
ፊልጵስዩስ 4:19
ናብራኻትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፤ በቲ ዘለኩምውን ይኣኽለኒ ምባል ተምሃሩ። ስለዙይ ብትብዓት “እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፥ ኣይፈርሕን፤ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ?” ንብል።
ዕብራውያን 13:5–6
እግዚኣብሄር ሓይለይን ዋልታይን እዩ፤ ልበይ ብእኡ ኣመነ፤ ኣነውን ተረዳእኹ፤ ስጋይ ደስ ይብሎ፤ ፈቒደውን አመስግኖ።
ዳዊት 28:7
ንሱ ንመጓሰኡ ኣብ ማእኸል ዕምበባታት ሱፍ የውፍረን።
መሃልየ 2:16
ክልተ ወይ ሰለስተ ኾይኖም ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ፥ ኣነ ኸዓ ኣብኡ ኣብ ማእኸሎም ኣለኹ እሞ፥ ክልተ ወይ ሰለስተ ኻባኻትኩም፥ ኣብ ምድሪ ብዝልምንዎ ዅሉ ነገር እንተ ተሰማሚዖም፥ በቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክግበረሎም እዩ ኢለ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
ማቴዎስ 18:20
እቲ ዘፍቅረኒ፥ ቃለይ ክሕሉ እዩ፤ ኣቦይ ከዓ ኸፍቅሮ እዩ፤ መፂእና ድማ ኣብኡ ኽንሓድር ኢና።
ዮሃንስ 14:23
ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ፥ ኣብ ፍቕሩውን ዝነብር ዘለኹ፥ ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹም፥ ኣብ ፍቕረይ ፀኒዕኹም ክትነብሩ ኢኹም።
ዮሃንስ 15:10
ሽቱውን ይፍሰስ፤ ፍቱወይ ናብ ገነቱ ይእቶ፤ ጥዑም ፍረታቱ ኸዓ ይብላዕ። ሓፍተይ፥ መርዓተይ፥ ናብ ገነተይ ኣትየ፥ ከርበይን ምዑዝ ቀመማተይን እእክብ ኣለኹ። ሕብስተይ ምስ መዓረይ፥ ወይነይ ድማ ምስ ፀባይ ሰተኹ።
Song of Solomon 4:16; 5:1
ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ሓጐስ፥ ሰላም፥ ትዕግስቲ፥ ልግሲ፥ ሕያዋይነት፥ እምነት፥ ለውሃት፥ ንባዕልኻ ምግዛእ እዩ።
ገላትያ 5:22–23
ብዙሕ ፍረ እንተ ፈረኹም፥ ኣቦይ በዙይ ክኸብር እዩ፤ ንስኻትኩምውን ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ክትፍለጡ ኢኹም።
ዮሃንስ 15:8
ነቲ ፍረ ዝፈሪ ጨንፈር ግና፥ ብዙሕ ምእንቲ ኽፈሪ የፅርዮ።
ዮሃንስ 15:2
ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንውዳሴኡን ከዓ፥ በቲ ኻብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ ፍረ ፅድቂ ምእንቲ ኽትምልኡ፥ እፅሊ ኣለኹ።
ፊልጵስዩስ 1:11
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ8 መጋ 2024
ኢሳይያስ 38:17 · ሚክያስ 7:18–19
7 መጋ 2024
ኢሳይያስ 54:5 · ኤፌሶን 5:32
6 መጋ 2024
ምሳሌ 2:8 · ዘዳግም 1:32–33
5 መጋ 2024
ኢሳይያስ 38:14 · ዳዊት 123:1–2
4 መጋ 2024
ቈላስይስ 3:2 · 1ይ ዮሃንስ 2:15
3 መጋ 2024
ምሳሌ 3:5–6 · ዳዊት 62:8




