7 መጋ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 8 መጋቢት: ዕለታዊ ብርሃን, 8 መጋቢት: ንስኻ ንዅሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሬኻ ደርበኻዮ (ኢሳይያስ 38:17)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ንስኻ ንዅሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሬኻ ደርበኻዮ።
ኢሳይያስ 38:17
ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ፥ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ? ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን። ተመሊሱ ኽርህርሀልና፥ ንበደልናውን ኣብ ትሕቲ እግሩ ኽረግፆ፥ ንዅሉ ሓጢኣትናውን ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ኽድርብዮ እዩ።
ሚክያስ 7:18–19
“ንሓፂር ጊዜ ሓደግኩኺ፤ ብዓብዪ ምሕረት መሊሰ ኽእክበኪ እየ። ንቑሩብ ጊዜ የመና ስለ ዝተቘጣዕኹ፥ ገፀይ ካባኺ ኸወልኩ፤ ግና ብዘለኣለማዊ ምሕረተይ ክርህርሀልኪ እየ” ይብል እቲ ተቤዛዊኺ እግዚኣብሄር።
ኢሳይያስ 54:7–8
ኣነ ኸዓ በደሎም ይቕረ ኽብለሎም፥ ሓጢኣቶም ድማ ድሕሪዙይ ኣይዝክርን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኤርሚያስ 31:34
ሓጢኣቱ ዝተሓደገሉ፥ ኵሉ በደሉውን ዝተኸደነሉ ብፁእ እዩ። እግዚኣብሄር ሓጢኣቱ ዘይቘፅረሉ፥ ኣብ መንፈሱ ጥበራ ዘይብሉ ሰብ ዝተባረኸ እዩ።
ዳዊት 32:1–2
ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።
1ይ ዮሃንስ 1:7
ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ሕድሪ።
2ይ ጢሞቴዎስ 1:12
በቲ ኣብ ውሽጥና ዝሰርሕ ሓይሉ ገይሩ፥ ካብቲ ዅሉ ንሕና እንልምኖን እንሓስቦን።
ኤፌሶን 3:20
ንድኻ ብልግሲ ሃበ፤ ፅድቁውን ንዘለኣለም ይነብር ዝብሎ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ዅሉ ዘድልየኩም ረኺብኩም፥ ብዅሉ ሰናይ ተግባር፥ ብሉፃት ኴንኩም ምእንቲ ኽትርከቡ፥ ፀጋ ኸብዝሐልኩም ይኽእል እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 9:8
ነቶም ዝፍተኑ ኽረድኦም ይከኣሎ እዩ።
ዕብራውያን 2:18
ስለዙይ ድማ ዅሉ ጊዜ ምእንትኣቶም ክማልድ፥ ንዘለኣለም ህያው ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ዝመፁ፥ ንዘለኣለም ከድሕኖም ይኽእል እዩ።
ዕብራውያን 7:25
ነቲ ኻብ ውድቀት ክሕልወኩም፥ ነውሪ ዘይብልኩም ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ብታሕጓስ ከቑመኩም ዝከኣሎ።
ይሁዳ 1:24
ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ።
2ይ ጢሞቴዎስ 1:12
ንሱ በቲ ንዅሉ ኽመልከሉ ዝከኣሎ ሓይሊ፥ ነዝ ዝተዋረደ ሰብነትና ለዊጡ፥ ነቲ ኽቡር ሰብነቱ ኸምስሎ እዩ።
ፊልጵስዩስ 3:21
እዙይ ክገብር ከም ዝኽእልዶ ተኣምኑ ኢኹም?” በሎም። ... ጐይታ” በልዎ። ንሱ ድማ “ከም እምነትኩም ይኹነልኩም” እናበለ ኣዒንቶም ዳህሰሶም።
ማቴዎስ 9:28–29
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ6 መጋ 2024
ምሳሌ 2:8 · ዘዳግም 1:32–33
5 መጋ 2024
ኢሳይያስ 38:14 · ዳዊት 123:1–2
4 መጋ 2024
ቈላስይስ 3:2 · 1ይ ዮሃንስ 2:15
3 መጋ 2024
ምሳሌ 3:5–6 · ዳዊት 62:8
2 መጋ 2024
ዘፍጥረት 41:52 · 2ይ ቆሮንቶስ 1:3–5
1 መጋ 2024
ገላትያ 5:22 · 1ይ ዮሃንስ 4:16






