3 መጋ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 4 መጋቢት: ዕለታዊ ብርሃን, 4 መጋቢት: ኣእምሮኹም፥ ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ (ቈላስይስ 3:2)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ኣእምሮኹም፥ ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ፥ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ።
ቈላስይስ 3:2
ንዓለም ወይ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ንዓለም ዝፈቱ፥ ኣብኡ ፍቕሪ እግዚኣብሄር የብሉን።
1ይ ዮሃንስ 2:15
“ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘበላሽዎ፥ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዝሰርቅዎ፥ ንኣኻትኩም ኣብ ምድሪ ሃብቲ ኣይትኣክቡ። ብልዕን ምምራትን ኣብ ዘየበላሽዎ፥ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ ሃብቲ ኣክቡ እምበር። ሃብትኻ ኣብ ዘለዎ ልብኻ ኣብኡ ኣሎ እሞ።
ማቴዎስ 6:19–21
ብእምነት እምበር፥ ብምርኣይ ኣይኮንናን እንነብር ዘለናሞ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:7
ስለዙይ ተስፋ ኣይንቐብፅን ኢና፤ እቲ ናይ ወፃኢ ሰብነትና እንተበለየ እኳ፥ ውሽጣዊ ሰብነትና በብመዓልቱ ይሕደስ እዩ። እዝ ቐልጢፉ ዝሓልፍን፥ ቀሊል ዝኾነ መከራና ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝበልፅን፥ ማዕረ ዘይብሉን፥ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ኸውህበና እዩ። እቲ ዝረአ ሓላፋይ እዩ፤ እቲ ዘይረአ ግና ዘለኣለማዊ እዩ። ንሕና ኸዓ ኣብቲ ዝረአ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ዘይረአ ኢና እንጥምት ዘለና።
2ይ ቆሮንቶስ 4:16–18
ንሱ ነቲ ዘይጠፍእን፥ ዘይበላሾን፥ ዘይፅምሉን፥ ኣብ ሰማያት ኣዳልዩልና ዘሎ ርስቲ ኽንወርስ ገበረና።
1ይ ጴጥሮስ 1:4
ንምስካም፥ ማእገሩ ኣትሓተ።
ዘፍጥረት 49:15
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ ምቕባል መከራን ትዕግስትን፥ እቶም ብስም እግዚኣብሄር ዝተናገሩ ነቢያት፥ ኣርኣያ ይኹኑኹም።
ያእቆብ 5:10
እዝ ዅሉ ምሳሌ ክኸውን እዩ ዝበፅሖም፤ ንኣና፥ እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን፥ ንተግሳፅ ክኾነና እዩ ዝተፅሓፈ።
1ይ ቆሮንቶስ 10:11
ነቲ መከራኸ ኽንቅበልዶ ኣይግብአናን እዩ? በላ። ኢዮብ በዝ ዅሉ እዙይ፥ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ብኸንፈሩ ኣይበደለን።
ኢዮብ 2:10
ኣሮን ድማ ስቕ በለ።
ዘሌዋውያን 10:3
ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣዮ ይግበር በለ።
1ይ ሳሙኤል 3:18
ትካዘካ ኣብ እግዚኣብሄር ደርቢ፤ ንሱውን ኽድግፈካ እዩ።
ዳዊት 55:22
“ብሓቂ ንሱ ደዌና ተቐበለ፤ ሕማምናውን ተሸከመ፤ ንሕና ግና ብእግዚኣብሄር ከም ዝተወቕዐን።
ኢሳይያስ 53:4
“ኣቱም እትፅዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን ኵልኻትኩም ናባይ ንዑ፤ ኣነውን ከዕርፈኩም እየ። ኣርዑተይ ፁሩ፤ ካባይውን ተምሃሩ፤ ኣነ የዋህ እየ፤ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፥ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ኣርዑተይ ልዙብ፥ ፆረይውን ቀሊል እዩ እሞ።”
ማቴዎስ 11:28–30
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ2 መጋ 2024
ዘፍጥረት 41:52 · 2ይ ቆሮንቶስ 1:3–5
1 መጋ 2024
ገላትያ 5:22 · 1ይ ዮሃንስ 4:16
29 ለካ 2024
ምሳሌ 27:1 · 2ይ ቆሮንቶስ 6:2
28 ለካ 2024
ዮሃንስ 3:16 · 2ይ ቆሮንቶስ 5:18–21
27 ለካ 2024
ሮሜ 6:11 · ዮሃንስ 5:24
26 ለካ 2024
ሰቆቃወ 3:40 · ዳዊት 26:2






