19 ሓም 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 20 ሓምለ: ዕለታዊ ብርሃን, 20 ሓምለ: ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኮንኩ፥ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኮኑንሞ
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኮንኩ፥ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኮኑንሞ።
ዮሃንስ 17:16
ብሰብ ዝተንዓቐን ዝተፀልአን እዩ፤ በዓል ስቓይ፥ ብሕማም ዝተጠቕዐ እዩ።
ኢሳይያስ 53:3
ኣብ ዓለም እንተለኹም፥ መከራ ኣለኩም፤ እንተ ኾነ ኣይዞኹም፥ ኣነ ንዓለም ስዒረዮ እየ።”
ዮሃንስ 16:33
ንኣናውን ቅዱስ፥ ነቐፋ ዘይብሉ፥ ንፁህ፥ ካብ ሓጥኣን ዝተፈለየ፥ ካብ ሰማያት ከዓ ልዕል ዝበለ ሊቀ ካህናት እዩ ዘድልየና።
ዕብራውያን 7:26
እዙይ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ማእኸል እዛ ቐይናንን ጠዋይን ትውልዲ እዚኣ፥ ጕድለት ዘይብሎም ንፁሃትን፥ ነቐፋ ዘይብሎም ውሉድ እግዚኣብሄርን ኴንኩም።
ፊልጵስዩስ 2:15
ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ ... ንሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ኵሉ ፅቡቕ ከም ዝገበረን፥ ንዅሎም ነቶም ንሰይጣን ዝተገዝኡ ኸም ዘሕወየውን፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
ግብሪ ሃዋርያት 10:38
እምበኣር ጊዜ እንተለና፥ ንዅሉ ሰብ፥ ብሕልፊ እኳ፥ ነቶም ብእምነት ኣሕዋትና ዝኾኑ፥ ሰናይ ንግበር።
ገላትያ 6:10
እቲ ንዅሉ ሰብ ዘብርህ ናይ ብሓቂ ብርሃን ግና፥ እቲ ናብ ዓለም ዝመፀ እዩ።
ዮሃንስ 1:9
“ንስኻትኩም ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም፤ ኣብ እምባ ዘላ ኸተማ፥ ክትስወር ኣይትኽእልን እያ። ከምኡ ኸዓ ነቲ ፅቡቕ ግብርኹም ሪኦም፥ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኸመስግንዎ፥ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።
ማቴዎስ 5:14, 16
ሓጐስ ልቢ ግና ዅልሻዕ ደስ ዘብል ማእዲ እዩ።
ምሳሌ 15:15
ናይ እግዚኣብሄር ሓጐስ ሓይልኹም እዩ እሞ፥ ኣይትሕዘኑ በሎም።
ነህምያ 8:10
መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ፅድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፥ ብልዕን መስተን ኣይኮነትን እሞ።
ሮሜ 14:17
ናብ ጥፍኣት ስለ ዘብፅሕ፥ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ብመዝሙርን ብቕኔን ብመንፈሳዊ ዜማን፥ ንስንሳትኩም ተዘራረቡ፤ ንጐይታ፥ ብምሉእ ልብኹም እናዜምኩምን እናዘመርኩምን፥ ኣመስግኑ። ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ስለ ዅሉ ነገር፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኵልሻዕ ኣመስግንዎ።
ኤፌሶን 5:18–20
እምበኣርከስ ኵልሻዕ ንእግዚኣብሄር፥ መስዋእቲ ምስጋና ብኢየሱስ ነቕርብ፤ እዙይ ከዓ፥ ናይተን ንስሙ ዝምስክራ ፍረ ኸናፍርና እዩ።
ዕብራውያን 13:15
ኦም በለስ እንተ ዘየፍረየት፥ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥ ፍረ እንተ ዘይተረኽበ፥ ፍረ ኣውሊዕ እንተ ጐደለ፥ ገራሁታት ዝብላዕ እንተ ዘይሃቡ፥ ኣባጊዕ ኻብ ደምበ እንተ ጠፍኣ፥ ከፍትውን ኣብ ደምቤታት እንተ ተስኣና፥ ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ክሕጐስ እየ፤ ብኣምላኽ ምድሓነይ ሓሴት ክገብር እየ።
እንባቆም 3:17–18
ከም ጕሁያት፥ ግናኸ ዅልሻዕ ሕጉሳት ኢና።
2ይ ቆሮንቶስ 6:10
እቲ መከራ፥ ትዕግስቲ ኸም ዘምፅእ ስለ ዝፈለጥና።
ሮሜ 5:3
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ18 ሓም 2024
ዮሃንስ 10:3 · 2ይ ጢሞቴዎስ 2:19
17 ሓም 2024
ዮናስ 4:2 · ዘሑልቍ 14:17–18
16 ሓም 2024
ዘፀኣት 19:6 · ራእይ 5:9–10
15 ሓም 2024
ማቴዎስ 6:10 · ዳዊት 103:20–21
14 ሓም 2024
ማቴዎስ 12:34 · ቈላስይስ 3:16
13 ሓም 2024
መሃልየ 7:10 · 2ይ ጢሞቴዎስ 1:12






