20 ሓም 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 21 ሓምለ: ዕለታዊ ብርሃን, 21 ሓምለ: ረብሓኡ እንታይ እዩ? ግርዘትከ እንታይ እዩ ጥቕሙ?
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ረብሓኡ እንታይ እዩ? ግርዘትከ እንታይ እዩ ጥቕሙ?
ሮሜ 3:1
ብዅሉ ወገን ብዙሕ እዩ።
ሮሜ 3:2
ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ብሰንኪ ኽፍኣት ግብርኹም።
ኤርሚያስ 4:4
ሽዑ እቲ ዘይግሩዝ ልቦም እንተ ኣዋረዱ፥ ቅፅዓት ሓጢኣቶም እውን እንተ ተቐበሉ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ድማ እቲ ምስ ያእቆብን ምስ ይስሓቅን ምስ ኣብርሃምን ዝኣተኹዎ ኺዳነይ እዝክር።
ዘሌዋውያን 26:41–42
ነቲ ነቦታት ዝተውሃበ ተስፋ ምእንቲ ኸፅንዖ፥ ኣምላኽ ሓቀኛ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኸርኢ፥ ኣገልጋሊ ግርዘት ከም ዝኾነ፥ እነግረኩም ኣለኹ።
ሮሜ 15:8
ንስኻትኩም ድማ፥ ብክርስቶስ ብዝግበር ግርዘት፥ ነቲ ሓጢኣተኛ ስጋኹም ካባኻትኩም ብምቕንጣጥ፥ ብኢድ ሰብ ብዘይኮነ ግርዘት፥ ብእኡ ተገረዝኩም።
ቈላስይስ 2:11
እግዚኣብሄር ንኵሉ ሓጢኣትኩም ይቕረ ብምባል፥ ንኣኻትኩምውን ብበደልኩም በቲ ዘይተገረዘ ሓጢኣተኛ ስጋኹም ሞይትኩም ንዝነበርኩም፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረኩም።
ቈላስይስ 2:13
ነቲ ቐደም ትነብሩሉ ዝነበርኩም፥ ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቀንጥጡ፤ ብመንፈስ ኣእምሮኹም ተሓደሱ። ነቲ ብኣርኣያ እግዚኣብሄር፥ ብፅድቅን ብቕድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ከዓ።
ኤፌሶን 4:22–24
እንሆ ኸዓ መጋረጃ ቤተ መቕደስ፥ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተቐደደ።
ማቴዎስ 27:51
ጐይታና ኢየሱስ፥ በታ ዝተትሓዘላ ለይቲ፥ ሕብስቲ ኣልዓለ። ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ “እንኩ፥ ብልዑ፤ እዙይ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ስጋይ እዩ፤ እዙይ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ።
1ይ ቆሮንቶስ 11:23–24
ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ እዙይ ንዓለም ህይወት ምእንቲ ክኸውን፥ ኣነ ዝህቦ እንጀራ፥ ስጋይ እዩ።”
ዮሃንስ 6:51
ደሙውን እንተ ዘይሰቲኹምስ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘይብልኩም፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ስጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣለዎ፤ ... እቲ ስጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ፥ ኣባይ ይነብር፤ ኣነውን ኣብኡ እነብር። እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ፥ ህያው ከም ዝኾነ፥ ኣነውን ብኣብ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ከምኡ ኸዓ፥ እቲ ስጋይ ዝበልዕ፥ ብኣይ ህያው ኮይኑ ኽነብር እዩ። ኢየሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዙይ ከም ዘጕረምረሙ ብመንፈሱ ፈሊጡ እዙይዶ የዐንቅፈኩም? ወዲ ሰብ፥ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ፥ ክዓርግ እንተሎ እንተ እትሪእዎ ደኣ፥ እንታይ ምበልኩም? ህያው ዝገብር መንፈስ እዩ፤ ስጋ ግና ምንም ኣይጠቅምን።
ዮሃንስ 6:53–54, 56–57, 61–63
እንኣትዎ ኸዓ በቲ መጋረጃ፥ ብሰብነቱ ዝተኸፍተ፥ ሓድሽን ህያውን ብዝኾነ መንገዲ ኣቢልና ኢና። ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ።
ዕብራውያን 10:20, 22
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ19 ሓም 2024
ሉቃስ 1:49 · ዘፀኣት 15:11
18 ሓም 2024
ዮሃንስ 10:3 · 2ይ ጢሞቴዎስ 2:19
17 ሓም 2024
ዮናስ 4:2 · ዘሑልቍ 14:17–18
16 ሓም 2024
ዘፀኣት 19:6 · ራእይ 5:9–10
15 ሓም 2024
ማቴዎስ 6:10 · ዳዊት 103:20–21
14 ሓም 2024
ማቴዎስ 12:34 · ቈላስይስ 3:16





