2 ጥቅ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 3 ጥቅምቲ: እሙን ምስክርን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን
ዕለታዊ ብርሃን
እሙን ምስክርን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ነቲ ዘፍቀረና፥ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሓፀበና።
ራእይ 1:5
ንፍቕርስ ብዙሕ ማይ እኳ ኸጥፍኣ ኣይኽእልን፤ ወሓይዝውን ኣየስጥሙዋን፤ ... ረስና ኸም ሓዊ።
መሃልየ 8:7, 6
ሰብ ቤዛ ኣዕርኽቱ ገይሩ፥ ንህይወቱ ኣሕሊፉ ኻብ ምሃብ ዝበልፅ ፍቕሪ የብሉን።
ዮሃንስ 15:13
ንሓጢኣት ሞይትና፥ ንፅድቂ ምእንቲ ኽንነብር፥ ንሱ ባዕሉ፥ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብነቱ ፆሮ፤ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።
1ይ ጴጥሮስ 2:24
ብእኡ፥ ማለት ብደሙ ድሕነት፥ ከምቲ ሃብቲ ፀጋኡ ድማ፥ ስርየት ሓጢኣት ረኸብና።
ኤፌሶን 1:7
ግና ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብመንፈስ ኣምላኽናን፥ ተሓፂብኩምን ተቐዲስኩምን ፀዲቕኩምን ኢኹም።
1ይ ቆሮንቶስ 6:11
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።
1ይ ጴጥሮስ 2:9
እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስን፥ መስዋእቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ፥ ብምሕረት እግዚኣብሄር እልምነኩም ኣለኹ፤ እዙይ ድማ እቲ ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።
ሮሜ 12:1
ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ኣሎ፤ ጐይታ ግና፥ ሓደ ንሱ እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 12:5
ዓዛሞት ወዲ ዓዲኤል ሓለቓ መዛግብቲ ንጉስ ነበረ። ዮናታን ወዲ ዖዝያ ድማ ናይቲ ኣብ ገራሁን ኣብ ... ዔዝሪ ወዲ ክሉብ ከዓ ናይቶም ኣብ ግራት ዝዓዩ ሓረስቶት ... ሰሜኢ በዓል ኣርማቴም፥ ሓለቓ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበረ። ... ኵሎም እዚኣቶም ኣሕሉቕ ሃብቲ ንጉስ ዳዊት ነበሩ።
1ይ ዜና 27:25–27, 31
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን፥ ብመጀመርታ ሃዋርያት፥ ካልኣይ ነቢያት፥ ሳልሳይ መምህራን ሸመ፤ ደሓር ተኣምራት ዝገብሩ፥ ናይ ምፍዋስ ውህብቶ ዘለዎም፥ ዝሕግዙ፥ ዘመሓድሩ፥ ብዝተፈላለየ ቛንቋታት ዝዛረቡ፥ ሰርዐ። ነዝ ዅሉ ኸዓ፥ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝፈቐዶ፥ ንነፍሲ ወከፍ ዝተፈላለየ ውህብቶ ይዕድሎ።
1ይ ቆሮንቶስ 12:28, 11
ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ እሙናት ኣገልገልቲ ብምዃን፥ ነፍሲ ወከፍኩም ከምቲ ዝተቐበልኩምዎ ውህብቶ ፀጋ፥ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል። እቲ ዝምህር፥ ቃል እግዚኣብሄር ይምሃር፤ እቲ ዘገልግል፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሓይሊ የገልግል፤ እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዅሉ ነገር ምእንቲ ኽምስገን እዩ። ክብርን ስልጣንን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹኖ።
1ይ ጴጥሮስ 4:10–11
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ1 ጥቅ 2026
ገላትያ 5:22–23 · 1ይ ቆሮንቶስ 9:25–27
30 መስ 2026
ኢዮብ 23:10 · ዳዊት 103:14
29 መስ 2026
1ይ ዮሃንስ 3:16 · ኤፌሶን 3:19
28 መስ 2026
ዘሑልቍ 6:27 · ኢሳይያስ 26:13
27 መስ 2026
1ይ ጴጥሮስ 5:6 · ምሳሌ 16:5
26 መስ 2026
ዘዳግም 32:4 · 1ይ ጴጥሮስ 2:23






