25 መስ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 26 መስከረም: ክፍኣት ዘይብሉ እሙን ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ፃድቕን ቅኑዕን እዩ
ዕለታዊ ብርሃን
ክፍኣት ዘይብሉ እሙን ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ፃድቕን ቅኑዕን እዩ።
ዘዳግም 32:4
ነገሩ ኣሐሊፉ ሃበ እምበር፥ ኣየፈራርሐን።
1ይ ጴጥሮስ 2:23
ነፍሲ ወከፍና፥ ነቲ ብስጋዊ ህይወቱ እንተሎ ንዝገበሮ ሰናይ ኮነ ወይ ክፉእ፥ ዓስቢ ምእንቲ ኽቕበል፥ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ፥ ግድን ክንቀርብ ኢናሞ።
2ይ ቆሮንቶስ 5:10
እምበኣር ኵላትና፥ ነፍሲ ወከፍ ንእግዚኣብሄር መልሲ ኽንህብ ኢና።
ሮሜ 14:12
እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ፥ ንሳ ኽትመውት እያ።
ሕዝቅኤል 18:4
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኦ ሰይፊ፥ ኣንፃር ጓሳይን እቲ ፈታዊየይ ዝኾነ ሰብን ተስእ፤ ነቲ ጓሳ ውቕዓዮ።
ዘካርያስ 13:7
እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፥ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።”
ኢሳይያስ 53:6
ምሕረትን ሓቅን ተራኸባ፤ ፅድቅን ሰላምን ተሰዓዓማ።
ዳዊት 85:10
ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ ትምካሕ እያ።
ያእቆብ 2:13
ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ፥ ውህብቶ ፀጋ እግዚኣብሄር ግና፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
ሮሜ 6:23
ፃድቕን ዘድሕንን ኣምላኽ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ከቶ የለን።”
ኢሳይያስ 45:21
ነቲ ብኢየሱስ ዝኣምን ኵሉውን ከም ዝፀድቕ፥ ምእንቲ ኸርኢ እዩ።
ሮሜ 3:26
በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ቤዛ፥ ብኸምኡ ብፀጋኡ ይፀድቁ እዮም እሞ።
ሮሜ 3:24
ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ቓል ክፍፀም እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:54
ግና ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ክነሸንፍ ዝገበረና እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:57
እቶም ውሉድ፥ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝኾኑ፥ ኢየሱስውን ከምኣቶም ሰብ ኮነ፥ እዙይ ከዓ ብሞቱ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ንዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኽስዕሮ፥ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሓት፥ ምሉእ ዕድመኣቶም ብባርነት ተኣሲሮም ንዝነበሩ ኸዓ፥ ሓራ ምእንቲ ኸውፅእ ኢሉ እዩ።
ዕብራውያን 2:14–15
ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትና፥ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር ነኣምን ኢና። እቲ ኻብ ሞት ዝተስአ ክርስቶስ፥ መሊሱ ኸም ዘይመውት ንፈልጥ ኢና፤ ደጊም ሞት ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን የብሉን። ንሱ ብሞቱ፥ ንሓዋሩ ሓደ ጊዜ ንሓጢኣት እዩ ዝሞተ። ብህይወቱ ግና፥ ንእግዚኣብሄር እዩ ዝነብር። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ሓጢኣት ከይትገብሩ ኸም ዝሞትኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ህያዋን ከም ዝኾንኩም ንርእስኹም ቍፀሩ።
ሮሜ 6:8–11
እምበኣር ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ፥ በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ፥ ካብቶም ሰዓርቲ የመና ንበልፅ ኢና።
ሮሜ 8:37
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ24 መስ 2026
ዳዊት 73:28 · ዳዊት 26:8
23 መስ 2026
እዝራ 9:9 · 1ይ ጴጥሮስ 4:12
22 መስ 2026
ዳዊት 104:34 · መሃልየ 2:3
21 መስ 2026
ሮሜ 8:28 · ዳዊት 76:10
20 መስ 2026
ምሳሌ 3:13 · ምሳሌ 8:35
19 መስ 2026
1ይ ጴጥሮስ 5:10 · ዘፀኣት 33:19






