22 መስ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 23 መስከረም: ኣምላኽና ግና ብባርነትና ኣይሓደገናን (እዝራ 9:9)
ዕለታዊ ብርሃን
ኣምላኽና ግና ብባርነትና ኣይሓደገናን።
እዝራ 9:9
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከም ሓዊ ዘቃፅል ፈተና ኽረኽበኩም እንተሎ፥ ሓድሽ ነገር ከም ዝበፅሐኩም ኴንኩም ኣይትገረሙ።
1ይ ጴጥሮስ 4:12
እግዚኣብሄር ከም ውሉዱ ይሪአኩም እዩ እሞ፥ እንተ ቐፅዐኩም ተዓገሱ፤ ኣቦኡ ዘይቐፅዖ ውሉድከ መን እዩ? ከምቶም ኵሎም ውሉድ፥ መቕፃዕቲ እንተ ዘይተቐቢልኩም ግና፥ ድቓሉ ደኣ እምበር ውሉድ ኣይኮንኩምን።
ዕብራውያን 12:7–8
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ይፍትነኩም እዩ ዘሎ እሞ፥ ነቲ ነቢይ እቱይ ወይ ንቓል እቲ ሓላሚ ሕልምታት ኣይትስምዕዎ።
ዘዳግም 13:3
እግዚኣብሄር ህዝቡ ኽገብረኩም ፈትዩ እዩ። ስለዙይ እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንኣኻትኩም ንህዝቡ ኣይሓድገኩምን እዩ።
1ይ ሳሙኤል 12:22
“ብሓቂ እኖ ንተጥብዎ ውሉዳ ትርስዖዶ? ነቲ ኻብ ማህፀና ዝተወለደኸ ኣይትርህርሀሉንዶ? እወ፥ ንሳ ትርስዕ ትኸውን፤ ኣነ ግና ኣይርስዐክን እየ።
ኢሳይያስ 49:15
ረዳኢኡ ኣምላኽ ያእቆብ ዝኾነ፥ ተስፋኡውን ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ዝኾነ ሰብ ብሩኽ እዩ።
ዳዊት 146:5
እግዚኣብሄር ግዳ፥ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዝምህለሉ ሕሩያቱ፥ ኣይፈርደሎምንዶ? ወይ ዝድንጕዮምዶ ይመስለኩም? ቀልጢፉ ኽፈርደሎም እዩ እብለኩም ኣለኹ።
ሉቃስ 18:7–8
እቲ ዝስዕር፥ ነዙይ ክወርስ እዩ።
ራእይ 21:7
ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራሕ እንተ ደኣ ኾይና፥ ካብ ኵሉ ሰብ ዝበለፀ እነሕዝን ኢና።
1ይ ቆሮንቶስ 15:19
ሕዚ ግና ነታ ሰማያዊት ዝኾነት፥ ዝበለፀት ሃገር እዮም ዝናፍቑ ዘለዉ። እግዚኣብሄር ከተማ ስለ ዘዳለወሎም ድማ፥ ኣምላኾም ተብሂሉ ኽፅዋዕ ኣየሕፍሮን እዩ።
ዕብራውያን 11:16
ንሱ ነቲ ዘይጠፍእን፥ ዘይበላሾን፥ ዘይፅምሉን፥ ኣብ ሰማያት ኣዳልዩልና ዘሎ ርስቲ ኽንወርስ ገበረና።
1ይ ጴጥሮስ 1:4
ሓደኳ ብሰብ ኣይመካሕ። ... ኬፋ ኾነ ዓለም፥ ህይወት ኮነ ሞት፥ ዘሎ ኾነ ዝመፅእ፥ ኵሉ ናታትኩም እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 3:21–22
ዓይኒ ዘይረአዮ፥ እዝኒ ዘይሰምዖ፥ ልቢ ሰብውን ዘይሓሰቦ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈትውዎ ዘዳለወሎም ይብል። ንኣና ግና፥ እግዚኣብሄር ብመንፈሱ ገይሩ ገለፀልና።
1ይ ቆሮንቶስ 2:9–10
ንስኻትኩም ግና፥ ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር፥ ነቲ ዝፀዓርኩምሉ ኸይተጥፍእዎ ተጠንቀቑ።
2ይ ዮሃንስ 1:8
ንዅሉ እቲ ዝኸብደናን ዝጠብቀናን ሓጢኣት ኣርሒቕና፥ በቲ ኣብ ቅድሜና ተዳልዩልና ዘሎ መቀዳደሚ፥ ብትዕግስቲ ፀኒዕና ንጕየ።
ዕብራውያን 12:1
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ21 መስ 2026
ሮሜ 8:28 · ዳዊት 76:10
20 መስ 2026
ምሳሌ 3:13 · ምሳሌ 8:35
19 መስ 2026
1ይ ጴጥሮስ 5:10 · ዘፀኣት 33:19
18 መስ 2026
ዳዊት 119:18 · ሉቃስ 24:45
17 መስ 2026
ማቴዎስ 12:20 · ዳዊት 51:17
16 መስ 2026
ምሳሌ 21:2 · ዳዊት 1:6






