19 መስ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 20 መስከረም: እቲ ጥበብ ዝረክብ፥ ምስትውዓልውን ዘጥሪ ሰብ ብፁእ እዩ
ዕለታዊ ብርሃን
እቲ ጥበብ ዝረክብ፥ ምስትውዓልውን ዘጥሪ ሰብ ብፁእ እዩ።
ምሳሌ 3:13
እቲ ዝረኽበኒ፥ ህይወት ይረክብ፤ ካብ እግዚኣብሄር ድማ ሞገስ ይረክብ።
ምሳሌ 8:35
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ጥበበኛ ብጥበቡ ኣይመካሕ፤ ሓያልውን ብሓይሉ ኣይመካሕ፤ ... ዝምካሕስ፥ ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን ፍርድን ፅድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ምዃነይ።
ኤርሚያስ 9:23–24
ናይ ጥበብ መጀመርታ ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ እዩ።
ምሳሌ 9:10
እንተ ኾነ፥ ነዝ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ፥ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ቘፀርክዎ። እወ፥ ምእንቲ እቲ ማዕረ ዘይብሉ፥ ፍልጠት ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ነገር ከም ከንቱ ቘፀርክዎ። ምእንታኡ ኽብል፥ ኵሉ እስእን ኣለኹ። ንእኡ ኽረክብን ምስኡ ክኸውንን ከዓ፥ ንዅሉ ኸም ጐሓፍ እቘፅሮ ኣለኹ።
ፊልጵስዩስ 3:7–8
ኵሉ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን፥ ኣብ ክርስቶስ እዩ ተሰዊሩ ዝርከብ።
ቈላስይስ 2:3
ምኽርን ቅኑዕ ፍርድን ናተይ እዮም፤ ምስትውዓል ኣነ እየ፤ ሓይልውን ኣለኒ።
ምሳሌ 8:14
ብእግዚኣብሄር ይመካሕ ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ካብ እግዚኣብሄር ጥበብን፥ ፅድቅን፥ ቅድስናን፥ ቤዛን ዝዀነልና፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም ዘለኹም።
1ይ ቆሮንቶስ 1:30
ንነፍሳት ዝእክብውን ንሱ ጠቢብ እዩ።
ምሳሌ 11:30
ከም ድኻታት፥ ግና ንብዙሓት ነሀብትም ኢና።
2ይ ቆሮንቶስ 6:10
ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፥ ሃብታም እንተሎ፥ ምእንታኻትኩም ደኸየ።
2ይ ቆሮንቶስ 8:9
ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ፥ ፀጋ ኣብ ልዕሊ ፀጋ ተቐበልና።
ዮሃንስ 1:16
ኣምላኸይ ከም መጠን ሃብቱ፥ ብኽብሪ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ኵሉ ድልየትኩም ክመልአልኩም እዩ።
ፊልጵስዩስ 4:19
ከምቲ መፅሓፍ “ንድኻ ብልግሲ ሃበ፤ ፅድቁውን ንዘለኣለም ይነብር” ዝብሎ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ዅሉ ዘድልየኩም ረኺብኩም፥ ብዅሉ ሰናይ ተግባር፥ ብሉፃት ኴንኩም ምእንቲ ኽትርከቡ፥ ፀጋ ኸብዝሐልኩም ይኽእል እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 9:8
እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ መንግስቲ፥ ምእንቲ ኽወርሱ፥ ብእምነት ሃብታማት ክኾኑ፥ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለምዶ ኣይሓረዮምን እዩ?
ያእቆብ 2:5
ብዙሓት ካባኻትኩም በተሓሳስባ ሰብ፥ ፈላጣት ወይ ሓያላት ወይ ብትውልዲ ዝኸበርኩም ኣይነበርኩምን። እግዚኣብሄር፥ ንጥበበኛታት ምእንቲ ኸሕፍር፥ ናይ ዓለም ዕሽነት ዝኾነ ነገር መረፀ፤ ንሓያላት ምእንቲ ኽሕፍር ከዓ፥ እግዚኣብሄር ናይ ዓለም ድኹም ዝኾነ ነገር መረፀ።
1ይ ቆሮንቶስ 1:26–27
ግና እቲ ዓብዪ ሓይሊ፥ ናይ እግዚኣብሄር እምበር፥ ናትና ኸም ዘይኮነ ምእንቲ ኽገሃድ፥ ካብ መሬት ኣብ ዝተፈጥረ ሰብነትና፥ እዝ ናይ ፍልጠት መዝገብ ኣለና።
2ይ ቆሮንቶስ 4:7
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ18 መስ 2026
ዳዊት 119:18 · ሉቃስ 24:45
17 መስ 2026
ማቴዎስ 12:20 · ዳዊት 51:17
16 መስ 2026
ምሳሌ 21:2 · ዳዊት 1:6
15 መስ 2026
ሮሜ 6:14–15 · ሮሜ 7:4
14 መስ 2026
ኢሳይያስ 51:12 · 2ይ ቆሮንቶስ 1:3–4
13 መስ 2026
ዮሃንስ 7:37 · ዳዊት 84:2






