17 መስ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 18 መስከረም: ኣዒንተይ ክፈተለይ፤ ካብ ሕግኻውን ተኣምራትካ ኽርኢ እየ
ዕለታዊ ብርሃን
ኣዒንተይ ክፈተለይ፤ ካብ ሕግኻውን ተኣምራትካ ኽርኢ እየ።
ዳዊት 119:18
ሽዑ ነተን መፃሕፍቲ ኸስተውዕልወን፥ ኣእምሮኦም ከፈተሎም።
ሉቃስ 24:45
ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት፥ ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፤ ንኣኣቶም ግና ኣይተውሃቦምን።
ማቴዎስ 13:11
ኦ ኣቦ፥ ጐይታ ሰማይን ምድርን፥ እዝ ነገራት እዙይ ካብ ብልህታትን መስተውዓልትን ሰዊርካ፥ ንህፃናት ስለ ዝገለፅካዮ አመስግነካ ኣለኹ። እወ፥ ኦ ኣቦይ! ፍቓድካ ኸምኡ እዩ እሞ።
ማቴዎስ 11:25–26
ንሕና ግና፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብኸምኡ ዝሃበና ፀጋ ምእንቲ ኽንፈልጥስ፥ ነቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ መንፈስ ደኣ ተቐበልና እምበር፥ ናይዝ ዓለም መንፈስ ኣይተቐበልናን።
1ይ ቆሮንቶስ 2:12
ኦ ኣምላኽ፥ ሓሳባትካ ንኣይ ከመይ የመና ኽቡር እዩ! ቍፅሮምከ ክንደይ ብዙሕ እዩ! እንተ ቘፀርክዎም ኻብ ሑፃ የመና ይበዝሑ፤ ተሳእኹውን።
ዳዊት 139:17–18
ናይ እግዚኣብሄር ሃብቱን ጥበቡን ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቝ እዩ! ንፍርዱ ኽምርምሮ ዝኽእል የለን፤ ንመንገዱውን ክረኽቦ ዝኽእል የለን። ሓሳብ እግዚኣብሄር ዝፈልጥ መን እዩ? ዘማኽሮኸ መን እዩ? ኵሉ ኻብኡን ብእኡን ንእኡን እዩ፤ ንእኡ፥ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን!
ሮሜ 11:33–34, 36
ሽዑ እግዚኣብሄር ነታ ኣብ ሌሒ ዝነበረት ዓማቝ ቦታ ሰንጠቓ፤ ካብኣ ድማ ማይ ወፀ። ምስ ሰተየ ድማ ሓይሉ ተመለሰ እሞ ሓወየ። ስለዙይ ስማ ዓይንሃቆሬ ኢሉ ሰመያ፤ ንሳ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ሌሒ ኣላ።
መሳፍንት 15:19
እቲ ማይ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ እትፈልጥስ፥ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፤ ንሱ ኸዓ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ ኢሉ መለሰላ።
ዮሃንስ 4:10
ኢየሱስ ደው ኢሉ ብዝለዓለ ድምፂ “ዝፀምአ እንተ ሃልዩ ናባይ መፂኡ ይስተ። እዙይ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣምኑ፥ ክቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝተዛረበ።
ዮሃንስ 7:37, 39
ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፥ በረኸት ድማ ሕልፍን ትርፍን ገይረ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፥ ብዙይ ፍተኑኒ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ሚልክያስ 3:10
እምበኣር ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት እንተለኹም፥ ንደቅኹም ሰናይ ውህብቶ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩም ግዳ፥ ንዝልምንዎ ኽንደይ ኣብሊፁ፥ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም!”
ሉቃስ 11:13
ክወሃበኩም እዩ፤ ድለዩ፥ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ማዕፆውን ኳሕዅሑ።
ሉቃስ 11:9
ውሉድ ስለ ዝኾንኩም ከዓ፥ ነቲ “ኣባ፥ ኣቦ” ኢሉ ዝፅውዕ መንፈስ ወዱ፥ ናብ ልብኹም ለኣኾ።
ገላትያ 4:6
ንስኻትኩም ነቲ ብእኡ ጌርና “ኣባ! ኣቦ!” ኢልና እንፅውዐሉ፥ መንፈስ ውሉድነት ኢኹም ዝተቐበልኩም እምበር፥ ናብ ፍርሓት ክትምለሱ፥ መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን።
ሮሜ 8:15
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ16 መስ 2026
ምሳሌ 21:2 · ዳዊት 1:6
15 መስ 2026
ሮሜ 6:14–15 · ሮሜ 7:4
14 መስ 2026
ኢሳይያስ 51:12 · 2ይ ቆሮንቶስ 1:3–4
13 መስ 2026
ዮሃንስ 7:37 · ዳዊት 84:2
12 መስ 2026
ኢሳይያስ 57:18 · ዘፀኣት 15:26
11 መስ 2026
ሮሜ 12:2 · ዘፀኣት 23:2






