18 መስ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 19 መስከረም: ነቲ ፀጋ ኽህቦ ዝደለኹ ፀጋ እህቦ (ዘፀኣት 33:19)
ዕለታዊ ብርሃን
ናብ ዘለኣለም ክብሩ።
1ይ ጴጥሮስ 5:10
ብቕድሜኻ ኽሓልፍ እንተለኹ ኸዓ ስመይ፥ ስም እግዚኣብሄር ክእውጅ እየ። ነቲ ፀጋ ኽህቦ ዝደለኹ ፀጋ እህቦ።
ዘፀኣት 33:19
ራህሪሁሉውን ‘ቤዛ ተረኺቡሉ እዩ እሞ፥ ናብ መቓብር ካብ ምውራድ ኣድሕኖ’ እንተ ዝብሎ።
ኢዮብ 33:24
በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ቤዛ፥ ብኸምኡ ብፀጋኡ ይፀድቁ እዮም እሞ። እግዚኣብሄር ከዓ፥ ፅድቁ ምእንቲ ኸርኢ፥ ነቲ ቕድም ዝተገብረ ሓጢኣት፥ ብመለኮታዊ ትዕግስቱ ይቕረ ኢሉ፥ ብእምነት ዝርከብ፥ ብደሙ ስርየት መርከቢ ገይሩ ንእኡ ኣቘሞ።
ሮሜ 3:24–25
ፀጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ ኮነ።
ዮሃንስ 1:17
ንክርስቶስ ብምእማን፥ ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩም። እዙይ ከዓ ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካባኻትኩም ኣይኮነን።
ኤፌሶን 2:8
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ምሕረትን ሰላምን ንኣኻ ይኹን።
1ይ ጢሞቴዎስ 1:2
ግና ኸምቲ ክርስቶስ ዝዓደለና፥ ንነፍሲ ወከፍና ፀጋ ተውሂቡ እዩ።
ኤፌሶን 4:7
ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ እሙናት ኣገልገልቲ ብምዃን፥ ነፍሲ ወከፍኩም ከምቲ ዝተቐበልኩምዎ ውህብቶ ፀጋ፥ ሓደ ነቲ ሓደ የገልግል።
1ይ ጴጥሮስ 4:10
እግዚኣብሄር፥ ንዕቡያት ይፃረሮም።
ያእቆብ 4:6
ግና ብናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ፍልጠትን ዕብዩ። ንእኡ፥ ሕዝን ንዘለኣለመ ኣለምን፥ ክብሪ ይኹኖ።
2ይ ጴጥሮስ 3:18
ኣዒንተይ ናብ እምባታት ኣልዓልኩ፤ ረድኤተይ ካበይ ይምፃእ? ረድኤተይስ ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ።
ዳዊት 121:1–2
እምባታት ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ከም ዝኾኑ፥ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ ህዝቡ እዩ።
ዳዊት 125:2
ኣታ ኣብ ሰማይ እትነብር ጐይታ፥ ኣዒንተይ ናባኻ አልዕል ኣለኹ። እንሆ፥ ኣዒንቲ ባሮት ናብ ኢድ ጐይታኦም ከም ዝኾና፥ ኣዒንቲ ገረድውን ናብ ኢድ እምበይተኣ ኸም ዝኾና፥ ከምኡ ኽሳዕ ዝምሕረና፥ ኣዒንትና ናብ ኣምላኽና ናብ እግዚኣብሄር እየን።
ዳዊት 123:1–2
ረዳእየይ ኴንኻኒ ኢኻሞ፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ኣኽናፍካ እሕጐስ ኣለኹ።
ዳዊት 63:7
ኦ ኣምላኽና! ኣይትቐፅዖምን ዲኻ? ንሕናስ ኣብ ቅድሚ እዝ ዝመፀና ዘሎ ዓብዪ ሰራዊት ሓይሊ የብልናን፤ እንታይ ከም እንገብር ከዓ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ግና ኣዒንትና ናባኻ እየን።”
2ይ ዜና 20:12
ንሱ ነእጋረይ ካብ መፈንጠር የናግፈን እዩሞ፥ ኣዒንተይ ኵልሻዕ ናብ እግዚኣብሄር እየን።
ዳዊት 25:15
ረድኤትና ብስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር እዩ።
ዳዊት 124:8
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ17 መስ 2026
ማቴዎስ 12:20 · ዳዊት 51:17
16 መስ 2026
ምሳሌ 21:2 · ዳዊት 1:6
15 መስ 2026
ሮሜ 6:14–15 · ሮሜ 7:4
14 መስ 2026
ኢሳይያስ 51:12 · 2ይ ቆሮንቶስ 1:3–4
13 መስ 2026
ዮሃንስ 7:37 · ዳዊት 84:2
12 መስ 2026
ኢሳይያስ 57:18 · ዘፀኣት 15:26






