12 መስ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 13 መስከረም: ነፍሰይ ንዓፀድ እግዚኣብሄር ትፈቱን ሃረር ትብልን ኣላ
ዕለታዊ ብርሃን
ኢየሱስ ደው ኢሉ ብዝለዓለ ድምፂ “ዝፀምአ እንተ ሃልዩ ናባይ መፂኡ ይስተ።
ዮሃንስ 7:37
ነፍሰይ ንዓፀድ እግዚኣብሄር ትፈቱን ሃረር ትብልን ኣላ፤ ልበይን ስጋይን ብህያው እግዚኣብሄር ተሓጐሰ።
ዳዊት 84:2
ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ናባኻ እግስግስ ኣለኹ፤ ነፍሰይ ንኣኻ ፀምአት፤ ዕንፀይትን ማይን ኣብ ዘይብሉ ምድረ በዳ፥ ስጋይ ንኣኻ ከመይ ናፈቐት። ከምኡውን ሓይልኻን ክብርኻን ምእንቲ ኽርኢ፥ ኣብ ውሽጢ መቕደስካ ተመልከትኩኻ።
ዳዊት 63:1–2
“ኣቱም ፅሙኣት ኵልኻትኩም ናብ ማይ ንዑ፤ ኣቱም ገንዘብ ዘይብልኩምውን ንዑ፤ ዓድጉ እሞ ብልዑ። ንዑ፤ ብዘይ ገንዘብ፥ ብዘይ ዋጋ ወይንን ፀባን ዓድጉ።
ኢሳይያስ 55:1
መንፈሱን እታ መርዓትን፥ “ነዓ” ይብሉ ኣለዉ፤ እቲ ዝሰምዕውን “ነዓ” ይበል። ዝፀምአ ኸዓ ይምፃእ፤ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።
ራእይ 22:17
ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ግና፥ ንዘለኣለም ኣይፀምእን፤ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ፥ ኣብ ውሽጡ ዝፍልፍል ዓይኒ ማይ ክኾነሉ እዩ” በላ።
ዮሃንስ 4:14
ደመይውን ናይ ብሓቂ መስተ እዩ እሞ።
ዮሃንስ 6:55
ስተዩ፤ ኣቱም ፍቑራት፥ ክሳዕ እትረውዩ ኣብዚሕኹም ስተዩ።
መሃልየ 5:1
“ንስኻትኩም ናይ ምድሪ ጨው ኢኹም።
ማቴዎስ 5:13
ፅባቐኽንስ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብሊፁ ኽቡርን፥ ዘይጠፍእን፥ ብልውህናን ብህድኣትን ዝተሸለመ መንፈስ፥ ኣብ ልቢ ተሰዊሩ ዘሎ፥ ናይ ውሽጢ ሰብነት ይኹን።
1ይ ጴጥሮስ 3:4
ዳግም ዝተወለድኩም፥ ብህያውን ንዘለኣለም ብዝነብርን ቃል እግዚኣብሄር፥ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እዩ እምበር፥ ካብ ዝጠፍእ ዘርኢ ኣይኮነን።
1ይ ጴጥሮስ 1:23
እቲ በኣይ ዝኣምን፥ እንተ ሞተ እኳ ብህይወት ክነብር እዩ።
ዮሃንስ 11:25
ደቂ ትንሳኤ ስለ ዝኾኑ ድማ፥ ደቂ እግዚኣብሄር እዮም።
ሉቃስ 20:36
ናብ ምስሊ መዋቲ ሰብን።
ሮሜ 1:23
እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ፥ ናይ ክርስቶስ ኣይኮነን። ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ ሃልዩ ግና፥ እቲ ስጋኹም ብሰንኪ ሓጢኣት ምዉት እንተ ኾነኳ፥ እግዚኣብሄር ስለ ዘፅደቐኩም፥ እቲ መንፈስኩም ህያው እዩ። ናይቲ ንኢየሱስ ካብ ሞት ዘተስኦ መንፈስ፥ ኣባኻትኩም ሓዲሩ እንተ ሃልዩ ግና፥ እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ዘተስኦ፥ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፥ በቲ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፥ ህያው ክገብሮ እዩ።
ሮሜ 8:9–11
ብዝብስብስ ይዝራእ፤ ብዘይብስብስ ከዓ ይትስእ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:42
እምበኣር ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃሉኹም፤ ንስንሳትኩምውን ተሰማሚዕኹም ብሰላም ንበሩ።”
ማርቆስ 9:50
እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዝኸውን፥ ከከምዘድልዮም ክሃንፅ ዝኽእል፥ ሰናይ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፥ ዘይግባእ ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውፃእ።
ኤፌሶን 4:29
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ11 መስ 2026
ሮሜ 12:2 · ዘፀኣት 23:2
10 መስ 2026
ኤርሚያስ 32:9 · ሕዝቅኤል 36:26
9 መስ 2026
ሉቃስ 1:53 · ራእይ 3:17–19
8 መስ 2026
ዳንኤል 5:27 · 1ይ ሳሙኤል 2:3
7 መስ 2026
ሮሜ 12:12 · ቈላስይስ 1:5
6 መስ 2026
ሰቆቃወ 3:41 · ዳዊት 113:5–6






