6 መስ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 7 መስከረም: ንሕና፥ ነዝ መከራዙይ ከም ዝተመደብና፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም
ዕለታዊ ብርሃን
ብተስፋ ተሓጐሱ።
ሮሜ 12:12
እቲ ቓል ሓቂ ዝኾነ ወንጌል፥ ቅድሚ ሕዚ ናባኻትኩም ምስ መፀ፥ ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝህቦ ተስፋ ሰሚዕኹም ኔርኩም።
ቈላስይስ 1:5
ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራሕ እንተ ደኣ ኾይና፥ ካብ ኵሉ ሰብ ዝበለፀ እነሕዝን ኢና።
1ይ ቆሮንቶስ 15:19
ኣብ እምነቶም ፀኒዖም ክነብሩውን ኣተባብዕዎም።
ግብሪ ሃዋርያት 14:22
መስቀሉ ፆይሩ ደድሕረይ ዘይኽተል፥ ደቀ መዝሙረይ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ።
ሉቃስ 14:27
በዝ መከራዙይ ሓደኳ ኸይሰናኸል፥ ነቲ ሓውና፥ ኣብ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ከዓ፥ መሳርሕትና ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ጢሞቴዎስ፥ ኣብ እምነትኩም ከተባብዐኩምን ከፀናንዐኩምን ለኣኽናዮ። ንሕና፥ ነዝ መከራዙይ ከም ዝተመደብና፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
1ይ ተሰሎንቄ 3:3
ኵልሻዕ ብጐይታ ተሓጐሱ፤ ደጊመ ተሓጐሱ እብል ኣለኹ።
ፊልጵስዩስ 4:4
ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፥ ተስፋኹም ኣፀቢቑ ምእንቲ ኽዓቢ፥ እቲ ዝኣመንኩምዎ ናይ ተስፋ ኣምላኽ፥ ኵሉ ሓጐስን ሰላምን ይምላእኹም።
ሮሜ 15:13
ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትሳኡ ህያው ተስፋ ዝሃበና፥ ብብዝሒ ምሕረቱ ብሓድሽ ልደት ውሉዱ ዝገበረና፥ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይባረኽ።
1ይ ጴጥሮስ 1:3
ንኢየሱስ ክርስቶስ እንተይረአኹምዎ፥ ተፍቅርዎ ኣለኹም፤ ሕዚ እውን ኣይትሪእዎን ዘለኹም፤ ብእኡ ግና ትኣምኑ ኣለኹም፤ ክንገር ብዘይከኣል ምሉእ ሓጐስውን፥ ትሕጐሱ ኣለኹም። ናይ እምነትኩም ፍረ ኸዓ፥ ድሕነት ነፍስኹም ተቐበልኩም።
1ይ ጴጥሮስ 1:8
ብእኡ ኸዓ፥ ናብዝ ሕዚ ዘለናዮ ፀጋ ብእምነት ኣተና፤ ብተስፋ ተኻፈልቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾንናውን፥ ንምካሕ ኣለና።
ሮሜ 5:2
ኣነ ፅጉምን ምስኪንን እየ፤ ጐይታ ግና ይሓስበለይ እዩ።
ዳዊት 40:17
ንኣኻትኩም ዘለኒ ሓሳብ ኣነ እፈልጦ እየ፤ ሰናይ ፍፃመን ተስፋን ክህበኩም፥ ናይ ሰላም ሓሳብ እምበር።
ኤርሚያስ 29:11
“ሓሳባተይ ከም ሓሳባትኩም፥ መንገድታትኩም ከም መንገደይ ኣይኮነን” ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዝብል፥ መንገደይ ካብ መንገድታትኩም፥ ሓሳባተይ ከዓ ኻብ ሓሳባትኩም፥ ልዕል ዝበለ እዩ።
ኢሳይያስ 55:8–9
ኦ ኣምላኽ፥ ሓሳባትካ ንኣይ ከመይ የመና ኽቡር እዩ! ቍፅሮምከ ክንደይ ብዙሕ እዩ! እንተ ቘፀርክዎም ኻብ ሑፃ የመና ይበዝሑ፤ ተሳእኹውን፥ ኣነ ገና ምሳኻ እየ ዘለኹ።
ዳዊት 139:17–18
ኦ ጐይታ፥ ግብርኻ ኸመይ የመና ዓብዪ እዩ! ሓሳብካውን የመና ዓሚቝ እዩ!
ዳዊት 92:5
ኦ ኣምላኸይ፥ ዝገበርካዮ ተኣምራት ብዙሕ እዩ፤ ንሓሳብካውን ዝመስሎ የለን።
ዳዊት 40:5
ፈላጣት ወይ ሓያላት ወይ ብትውልዲ ዝኸበርኩም ኣይነበርኩምን።
1ይ ቆሮንቶስ 1:26
እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ መንግስቲ፥ ምእንቲ ኽወርሱ፥ ብእምነት ሃብታማት ክኾኑ።
ያእቆብ 2:5
ኵሉ እንተለናስ፥ ሓንቲ ኸም ዘይብሎም ኴንና ንረአ ኣለና።
2ይ ቆሮንቶስ 6:10
እዝ ፀጋ እዙይ ተውሃበኒ።
ኤፌሶን 3:8
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ5 መስ 2026
1ይ ቆሮንቶስ 12:12 · ቈላስይስ 1:18
4 መስ 2026
ሩት 3:18 · ኢሳይያስ 7:4
3 መስ 2026
ዘፀኣት 13:7 · ምሳሌ 8:13
2 መስ 2026
ዳዊት 27:14 · ኢሳይያስ 40:28–29
1 መስ 2026
ገላትያ 5:22–23 · ኢሳይያስ 29:19
31 ነሓ 2026
ሮሜ 5:16 · ኢሳይያስ 1:18






