2 መስ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 3 መስከረም: ኣብ ኵሉ ኣዋሳኒኹምውን ማይ ብሑቕ ኣይረአ (ዘፀኣት 13:7)
ዕለታዊ ብርሃን
ኣብ ኵሉ ኣዋሳኒኹምውን ማይ ብሑቕ ኣይረአ።
ዘፀኣት 13:7
ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ንኽፍኣት ምፅላእ እዩ።
ምሳሌ 8:13
ንኽፍኣት ተፀየፍዎ።
ሮሜ 12:9
ክፉእ ካብ ዝኾነ ኵሉ ረሓቑ።
1ይ ተሰሎንቄ 5:22
ካብ ፀጋ እግዚኣብሄር ሓደኳ ኸይወፅእ፥ መሪር ሱር በቚሉውን ከየጨንቐኩም፥ ንብዙሓት ከዓ ኸየርክስ ተጠንቀቑ።
ዕብራውያን 12:15
ኣብ ልበይ በደል ሪአ እንተ ዝኸውን፥ እግዚኣብሄር ኣይምሰምዐንን ነይሩ።
ዳዊት 66:18
ቁሩብ መባዅዕቲ፥ ንብዘሎ እቲ ብሒቝ ከም ዘብኵዖዶ፥ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ከምቲ ሕዚ ዘለኹምዎ፥ ዘይበዅዐ ሓድሽ ብሒቊ ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ነቲ ኣረጊት መባዅዕቲ፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ። በጊዕ ፋሲካና፥ ክርስቶስ ተሰዊኡ እዩ እሞ። ስለዙይ በቲ ኣረጊት መባዅዕቲ ወይ ብመባዅዕቲ ኽፍኣትን ሕሰምን ዘይኮነ፥ ብዘይበዅዐ ቅጫ፥ ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር።
1ይ ቆሮንቶስ 5:6–8
እምበኣር ሰብ ካብዝ ሕብስቲ እዙይ ቅድሚ ምብላዑን፥ ካብዝ ፅዋዕ እዙይ ቅድሚ ምስታዩን ንባዕሉ ይመርምር።
1ይ ቆሮንቶስ 11:28
ማሕተም ዘለዎ ዘይነቓነቕ መሰረት እግዚኣብሄር፥ ፀኒዑ ኽነብር እዩ።
2ይ ጢሞቴዎስ 2:19
ንኣናውን ቅዱስ፥ ነቐፋ ዘይብሉ፥ ንፁህ፥ ካብ ሓጥኣን ዝተፈለየ፥ ካብ ሰማያት ከዓ ልዕል ዝበለ ሊቀ ካህናት እዩ ዘድልየና።
ዕብራውያን 7:26
ኣብኡውን ሓጢኣት የለን።
1ይ ዮሃንስ 3:5
እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ “እግዚኣብሄርስ በታ ኻብኣ ብትበልዑላ መዓልቲ፥ ኣዒንትኹም ከም ዝኽፈታ፥ ከም እግዚኣብሄርውን ከም እትኾኑ፥ ፅቡቕን ክፉእን ከዓ ኸም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ ‘ኣይትብልዑ’ ዝበለኩም እምበር ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” በላ።
ዘፍጥረት 3:4–5
ግና ኸምቲ ተመን ብጕርሑ ንሔዋን ዘስሓታ፥ ከምኡ ንስኻትኩምውን ብሓሳብኩም ተታሊልኩም፥ ካብቲ ንክርስቶስ ዘለኩም፥ ቅኑዕን ንፁህን ፍቕሪ፥ ከይትርሕቑ እፈርሕ ኣለኹ።
2ይ ቆሮንቶስ 11:3
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ብጐይታን ብፅንዓት ሓይሉን ጠንክሩ። ንተንኰል ሰይጣን ምክልኻል ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ብምሉኡ ልበሱ። ስለዙይ በታ ኽፍእቲ መዓልቲ፥ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኵሉ ስዒርኩም ድማ ደው ክትብሉስ፥ ምሉእ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ኣልዕሉ። ናይ ምድሓን ቁራዕ ርእሲ ድፍኡ፤ ናይ መንፈስ ሰይፊ ድማ ሓዙ፤ ንሱውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ።
ኤፌሶን 6:10–11, 13, 17
እዙይ ማለተይ ከዓ፥ ተንኰል ሰይጣን ከመይ ከም ዝኾነ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ፥ ከየታልለና ኢለ እየ።
2ይ ቆሮንቶስ 2:11
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ1 መስ 2026
ገላትያ 5:22–23 · ኢሳይያስ 29:19
31 ነሓ 2026
ሮሜ 5:16 · ኢሳይያስ 1:18
30 ነሓ 2026
ኣስቴር 5:2 · ዘፀኣት 22:27
29 ነሓ 2026
ምሳሌ 16:20 · ሮሜ 4:20–21
28 ነሓ 2026
ራእይ 12:10 · ራእይ 12:11
27 ነሓ 2026
ዳዊት 119:105 · ዳዊት 17:4–5






