1 መስ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 2 መስከረም: ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር፤ በርትዕ፤ ልብኻ ይፅናዕ
ዕለታዊ ብርሃን
ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር፤ በርትዕ፤ ልብኻ ይፅናዕ።
ዳዊት 27:14
ኣይፈለጥካን ዲኻ፥ ኣይሰማዕኻን ዲኻ? እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ፥ ፈጣሪ ወሰናት ምድሪ እዩ፤ ኣይደክምን፤ ኣይሕለልን፤ ... ንሱ ንድኹም ሓይሊ ይህብ፤ ሓይሊ ንዘይብሉ ኸዓ ብርትዐ ይውስኽ።
ኢሳይያስ 40:28–29
ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ።
ኢሳይያስ 41:10
ንስኻ ንድኻ ዕርዲ፥ ንፅጉም ኣብ መከራኡ መፀግዒ፥ ካብ ፀፍዒ መዕቐሊ፥ ካብ ሃሩር መፅለሊ ኾንካ፤ እስትንፋስ ቍጥዓ ጨካናት፥ ከምቲ ንመንደቕ ዝወቅዕ ማዕበል እዩ እሞ።
ኢሳይያስ 25:4
ትዕግስቲ ኸም ዘምፅአልኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ። ሓደኳ ዘይጐድለኩም ፍፁማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ እታ ትዕግስቲ ፍፁም ግብሪ ይሃልዋ።
ያእቆብ 1:3–4
እምበኣር ነቲ ብዙሕ ዓስቢ እትረኽቡሉ እምነትኩም ኣይትሕደጉ። ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትፍፅሙን፥ ነቲ ዘተስፈዎ ምእንቲ ኽትቅበሉን፥ ፅንዓት የድልየኩም እዩሞ።
ዕብራውያን 10:35–36
ኣብ ዝለምለመ ሰውሒ የሕድረኒ።
ዳዊት 23:2
እቶም ክፉኣት ግና፥ ከምቲ ዝናወፅ ባሕሪ እዮም፤ ክሃድእ ኣይኽእልን እዩሞ፤ ... ንኽፉኣት ሰላም የብሎምን” ይብል ኣምላኸይ።
ኢሳይያስ 57:20–21
“ኣቱም እትፅዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን ኵልኻትኩም ናባይ ንዑ፤ ኣነውን ከዕርፈኩም እየ።
ማቴዎስ 11:28
ንእግዚኣብሄር ተገዛእ።
ዳዊት 37:7
እቲ ናብ ዕረፍቱ ዝኣተወ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ካብ ስራሑ ዘዕረፈ፥ ንሱውን ካብ ስራሑ የዕርፍ እዩ እሞ።
ዕብራውያን 4:10
ብዙሕ ብዝዓይነቱ ብዘይተለመደ ሓድሽ ትምህርቲ ኣይትታለሉ፤ ነቶም ብእኡ ዝመላለሱ፥ ሓንቲ ዘይጠቕሞም ናይ መብልዕ ስርዓት ዘይኮነስ።
ዕብራውያን 13:9
እምበኣር ብጥበራን ብተንኰልን ብዝመፅእ፥ ናይ ትምህርቲ ንፋስ፥ ከም ህፃናት ንየው ነዘው እናተደፋእና ኣይንውሰድን። እኳ ደኣ ነቲ ሓቂ ብፍቕሪ እናተዛረብና፥ ብዅሉ ነገር ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ንዕበ።
ኤፌሶን 4:14–15
ኣብ ትሕቲ ፅላሉ ደስ ኢሉኒ ተቐመጥኩ፤ ፍረኡውን ንጐረሮይ ጥዑም እዩ፤ ናብ ቤት ወይኒ ኣእተወኒ፤ ኣብ ልዕለይ ዘለዎ ዕላማውን ፍቕሪ እዩ።
መሃልየ 2:3–4
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ31 ነሓ 2026
ሮሜ 5:16 · ኢሳይያስ 1:18
30 ነሓ 2026
ኣስቴር 5:2 · ዘፀኣት 22:27
29 ነሓ 2026
ምሳሌ 16:20 · ሮሜ 4:20–21
28 ነሓ 2026
ራእይ 12:10 · ራእይ 12:11
27 ነሓ 2026
ዳዊት 119:105 · ዳዊት 17:4–5
26 ነሓ 2026
ዘፀኣት 28:36 · ዕብራውያን 12:14





