እቶም ምስ ህይወት ማእከላይ ምብራቕ ዝያዳ ዝተፋለጡ፡ ምሳሌ ደናግል ክሳዕ ሎሚ ዘሎ ልምድታት መርዓ ብልክዕ ከም ዝውክል ይነግሩና። እተን ዓሰርተ ደናግል “ንመርዓዊ ኺቕበላ ወጻኣ።” እዚ ድማ ሞያአን፡ ኣብቲ ስርዓታት ዚጻወትኦኦ ተራ እዩ። ኣብ ቤት መርዓት ተኣኪበን፡ ንመርዓዊ ይጽበያኦ፡ ንሱ ድማ ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ኣይመጽእን። ብድቃስ ተዋሒጠን ኩለን ደቀሳ። ፍርቂ ለይቲ ድማ፡ “እንሆ፡ መርዓዊ ይመጽእ ኣሎ፡ ኺትቕበልዎ ኺዱ!” ዚብል ድምጺ ተላዕለ (ማቴ. 25:6)።
እተን ደናግል ናይቲ ምሳሌ፡ ንቤተ ክርስቲያን ብሓባራዊ ኣገባብ ዘይኰነስ፡ ንቕዱሳን ብውልቃዊ ኣገባብ ከም ደቀ መዛሙርቲ ዘይርአ ጐይታ እየን ዚውክላ። እቲ ናተን ቀዳማይ ቦታን ሞያን እዚ ነበረ፡ ንሳተን ንመርዓዊ ኺቕበላ ወጻኣ። ንሳተን እቶም ኣምላኽ ዝጸውዖም እየን። ካብ ኣይሁድነት፡ ካብ ኣረማውነት፡ ናብ ፍሉይ ቦታ ቤተ ክርስቲያን ከዳ፡ “ንህያው እሞ ሓቀኛ ኣምላኽ ኬገልግሉ፡ ንወዱ ድማ ካብ ሰማይ ኪጽበዩ” (1 ተሰ. 1:9–10)።
ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ካብዚ ደኸሙ፡ ኣብ ጽላል እታ ቤት ድማ ናብቲ ብድቃስ ዝተመልክተ ዘይነቓቕሕን ህይወት ዘይብሉን ኩነታት ወደቑ። እቲ ናይ ፍርቂ ለይቲ ድምጽን እቲ “ኺትቕበልዎ ኺዱ” ዚብል ቃላትን፡ ንዓና ናብቲ ቀዳማይ ተስፋ ቤተ ክርስቲያን—ምምጻእ ጐይታ—ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናብቲ ቀዳማይ ቦታ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ወጻኢ ዓለም፡ ብስጋዊነታ ይኹን ብሃይማኖታ፡ ክንምለስ ዚጽውዕ እዩ።




