6 ስለዙይ እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለምውን፥ ብማይ ተውሒጣ ጠፍአት። 7 እቶም ሕዚ ዘለዉ ሰማያትን ምድርን ግና፥ እቶም ንግዚኣብሔር ዘይፈርሑ ሰባት፥ ተፈሪድዎም ክሳዕ ዝጠፍኡ፥ ብቓሉ ተሓልዮም፥ ንሓዊ ተዓቝሮም ኣለዉ።
5 እግዚኣብሄር ከዓ፥ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐ፤ ብልቡ ዝምነዮ ሓሳባት ድማ ዅልሻዕ ክፉእ ጥራሕ ከም ዝኾነ ረአየ። 6 እግዚኣብሄር ከዓ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምፍጣሩ ተናስሐ፤ ብልቡውን ሓዘነ። 7 እግዚኣብሄር “ነቲ ዝፈጠርክዎ ሰብ፥ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፥ ክሳዕ ለመም ዝብል፥ ክሳዕ ኣዕዋፍ ሰማይ፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ስለ ዝፈጠርኩዎም ተናሲሐ እየሞ” በለ።
8 ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ።
20 ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ ካብ ንፁህ እንስሳን ካብ ኵሎም ንፁሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸዓ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብቲ መሰውኢ ኣቕረበ። 21 እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ጥዑም መዓዛ ኣጫነወ፤ እግዚኣብሄርውን ብልቡ፦ “ሓሳብ ልቢ ወዲ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ እኳ ኽፉእ እንተ ኾነ፥ ድሕሪ ደጊም ብሰንኪ በደል ሰብ ንምድሪ ኣይረግማን እየ። ድሕሪ ደጊምውን ከምቲ ዝገበርክዎ፥ ህይወት ንዘለዎ ዅሉ፥ መሊሰ ኣየጥፍኦን እየ። 22 ምድሪ ኽሳዕ ዘላ፥ ዘርእን ዓፂድን፥ ዛሕልን ሙቐትን፥ ሓጋይን ክረምትን፥ መዓልትን ለይትን፥ ከቶ ኣየቋርፅን እዩ” በለ።
2ይ ጴጥሮስ 3:6–7 · ዘፍጥረት 6:5–8 · ዘፍጥረት 8:20–22 · ትመ15
ኖህ ነገራት ካብ ኣምላኽ ኣረኣእያ እዩ ርእይዎም። ብዝተፈተወ ወይ ብዝፈትዎ ነገር ኣይተመርሐን፡ ግናኸ ኣምላኽ ዝነገሮ ኺገብር እዩ ተመርሑ። ሎሚ፡ ኣምላኽ ብምሉእ ቃል ኣምላኽ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተመስጠረን ዝተጻሕፈን፡ ኣስታት ኣርባዓ ሰብኣውያን ደረስቲ ብምጥቃም ይዛረበና። ኣምላኽ ብሰንኪ ሓጢኣትን ዕንቅፋትን ሰብ ዝገበሮ ተጣዕሰ፡ ግናኸ ኖህ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ረኸበ (ዘፍ. 6:5–8)። ኣምላኽ ንኖህ ንሱን ሰበይቱን፡ ምስ ሰለስተ ደቁን ኣንስቶምን መዕቆቢ ዚኸውን መርከብ ኪሰርሕ ኣዘዞ። ንሳቶም ካብ ማይ ኣይሂ ደሓኑ፡ ምስቶም ኣምላኽ ናብ መርከብ ዝለኣኾም እንስሳታት—ዘደንቕ ዛንታ! ብብዙሕ ተኣምራት፡ ኣምላኽ ነዞም ሾሞንተ ሰባትን እንስሳታትን ካብ ትሕቲ ፍርዲ ዝነበረት ዓለም ናብ ሓዳስ ዓለም በረኸት ኣግዓዞም።
ኖህ ካብ መርከብ ምስ ወጸ፡ ኣምላኽ ባረኾ፡ ኣብኡ ድማ ንኣምላኽ ፍሉይ መስዋእቲ ዘቕረበሉ መሰውኢ ሰርሐ (8:20–22)። እዚ ኩሉ ንኣምላኽ ባህ ኣበሎ፡ ከመይሲ እቲ ኣብ መሰውኢ ዝቐረበ መስዋእቲ ንእኡ ባህ ዘብሎ ነገር ሃቦ። ሰባት ንዛንታ ኖህ ይሳሓቑሉ፡ ወይ ድማ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ዝህቦ ጸብጻብ ብቑምነገር ኪወስድዎ ኣይደልዩን። ክንደይ ዜሕዝን! ኣምላኽ ኣይሳሓቕን እዩ፡ እዚ ምድሓር እዚ ድማ ኣምላኽ ካልእ ፍርዲ ኺሰድድ ኪገብሮ እዩ። እዚ ግዜ እዚ፡ ከምቲ ኣብ ዘመን ኖህ ብማይ ዘይኰነስ፡ ብሓዊ ኪኸውን እዩ (2 ጴጥ. 3:6–7)። ክንደይ ዜፍርህ! ኖህ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ብልክዕ ገበረ። ሰባት ይሳሓቑሉ ይኾኑ፡ ግናኸ ኖህ ብቐሊሉ ታዘዘ።
ሎሚ ንዓና ክንደይ ዘደንቕ ምሳሌ! ንሕና ኻብቲ ኖህ ዝነበሮ ዝበዝሐ መምርሒታት ካብ ቃል ኣምላኽ ኣሎና፡ ግናኸ ንሱ ንኣምላኽ ብቓሉ ኣመኖ፡ ኣምላኽ ዝነገሮ ስለ ዝኣመነ ድማ ካብ ማይ ኣይሂ ደሓነ።