ዕለታዊ ብርሃን, 30 ነሓሰ: እቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዘንጊ ወርቂ ድማ ዘርግሐላ (ኣስቴር 5:2)

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

እቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዘንጊ ወርቂ ድማ ዘርግሐላ፤ ኣስቴርውን ቅርብ ኢላ ጫፍ ዘንጉ ነኽአት።

እንሆ፥ ኣነ መሓሪ እየ እሞ፥ ናባይ እንተ ጠርዐ ኽሰምዖ እየ።

ንሕናውን፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣለና። እግዚኣብሄር ፍቕሪ እዩ፤ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዝነብር ከዓ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር፤ እግዚኣብሄርውን ኣብኡ ይነብር። ብመዓልቲ ፍርዲ ምእንቲ ትብዓት ክህልወና፥ በዙይ እታ ፍቅሪ ኣባና ተፈፀመት፥ ከምቲ ንሱ ዘለዎ፥ ከምኡውን ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና ዘለና እሞ። እታ ፍፅምቲ ፍቕሪ፥ ንፍርሓት ኣውፂኣ ደኣ ትድርብያ እምበር፥ ኣብ ፍቕርስ ፍርሓት የለን። ፍርሓት፥ ምስ መቕፃዕቲ ዝተተሓሓዘት ስለ ዝኾነት፥ እቲ ዝፈርሕ ሰብ፥ ፍቕሩ ፍፁም ኣይኮነን። እግዚኣብሄር ኣቐዲሙ ስለ ዘፍቀረና፥ ንሕናውን ነፍቅሮ ኢና።

ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ፥ ልብና ተነፂግና፥ ሰብነትና ብንፁህ ማይ ሓፂብና፥ ብቕኑዕ ልብን ብሙሉእ እምነትን፥ ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ።

ክልቴና ብእኡ ጌርና፥ ብሓደ መንፈስ፥ ናብ ኣብ እንኣቱ ኢና እሞ።

ንሕናውን ብእኡ ብክርስቶስ ብምእማን፥ ብትብዓትን ብእምነትን፥ ምእንቲ ናብ እግዚኣብሄር ምቕራብ ክንኽእል እዩ።

እምበኣር ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፥ ረድኤት ብዘድልየና ጊዜውን፥ ፀጋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ናብቲ ፀጋ እንረኽበሉ ዙፋን እግዚኣብሄር፥ ብምትእምማን ንቕረብ።

እንታይ ምዃኑ ስለ ዘይፈለጡ፥ “እዙይ እንታይ እዩ?” ኢሎም ንስንሳቶም ተጠያየቑ።

እወ እቲ ብስጋ ሰብ ተገልፀ፤ ብመንፈስ ፀደቐ፤ ብመላእኽቲ ተርኣየ።

እቲ ኻብ ሰማይ ዝወርድ፥ ንዓለምውን ህይወት ዝህብ፥ ናይ እግዚኣብሄር እንጀራ እዩ እሞ” በሎም።

ኣቦታትኩም ኣብ ምድረ በዳ መና በልዑ እንተ ኾነ ግና ሞቱ።

ኵሉ ኻብዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ፥ ንዘለኣለም ክነብር እዩ፤ እዙይ ንዓለም ህይወት ምእንቲ ክኸውን፥ ኣነ ዝህቦ እንጀራ፥ ስጋይ እዩ።”

ስጋይ ናይ ብሓቂ ምግቢ እዩ፤ ደመይውን ናይ ብሓቂ መስተ እዩ እሞ።

ደቂ እስራኤል ድማ ኸምኡ ገበሩ። ገሊኣቶም ብዙሕ ገሊኣቶም ከዓ ውሑድ ኣከቡ። ... ነፍሲ ወከፍ እቲ ዝኣኽሎ ደኣ ኣከበ እምበር፥ እቲ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፤ ... ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ንግሆ ኻብኡ ዝኣኽሎ ይእክብ ነበረ። ሙቐት ፀሓይ እናበርትዐ ምስ ከደ ግና እቲ ዝተረፈ ይመክኽ ነበረ።

እምበኣር ‘እንታይ ክንበልዕ ኢና? እንታይ ክንሰቲ ኢና? ... ንኣኻትኩም ግና እዝ ዅሉ ኸም ዘድልየኩም፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ይፈልጥ እዩ። ንስኻትኩም ግና፥ ኣቐዲምኩም መንግስቲ እግዚኣብሄርን ፅድቁን ደኣ ድለዩ፤ እዝ ዅሉ ድማ ኽውሰኸኩም እዩ።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።

ናይ ቀረባ መዓልታት

ኩሉ ርአ