30 ነሓ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 31 ነሓሰ: ኵነኔ ኣስዓበ፤ ድሕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ዝተውሃበ ፀጋ ኸዓ
ዕለታዊ ብርሃን
ኵነኔ ኣስዓበ፤ ድሕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ዝተውሃበ ፀጋ ኸዓ፥ ፅድቂ ኣፍረየ።
ሮሜ 5:16
ንዋቐስ” ይብል እግዚኣብሄር “ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቐይሐ፥ ከም በረድ ከፃዕድዎ እየ። ከም ደም እንተ ቐይሐውን፥ ከም ፃዕዳ ፀምሪ ክኸውን እዩ።
ኢሳይያስ 1:18
ኣነ፥ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ፥ ሓጢኣትካ ዝድምስስ፤ መሊሰ ኸዓ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን።” “ኣዘክረኒ እሞ ንስንሳትና ንማጐት፤ ክትፀድቕስ ጭብጥኻ ኣቕርብ።
ኢሳይያስ 43:25–26
ንገበንካ ኸም ደመና፥ ንሓጢኣትካውን ከም ግመ ኣወጊደዮ እየ። ተቤዚወካ እየሞ፥ ናባይ ተመለስ።”
ኢሳይያስ 44:22
“ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ከይጠፍእስ፥ እግዚኣብሄር ንሓደ ወዱ ቤዛ ገይሩ ኽሳዕ ዝህብ፥ ክንድዙይ ንዓለም ኣፍቀሮ።
ዮሃንስ 3:16
ግና ፀጋ እግዚኣብሄርን፥ እቲ በደልን ሓደ ኣይኮነን፤ ብበደል ሓደ ሰብ፥ ብዙሓት ከም ዝሞቱ፥ እቲ ፀጋ እግዚኣብሄርን፥ እቲ ብኸምኡ ዝተውሃበ፥ ናይቲ ሓደ ሰብ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበ ውህብቶ ፀጋ፥ ኣብ ብዙሓት የመና በዚሑ ኣሎ።
ሮሜ 5:15
ገሊኻትኩም ከምኣቶም ኔርኩም ኢኹም። ግና ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ብመንፈስ ኣምላኽናን፥ ተሓፂብኩምን ተቐዲስኩምን ፀዲቕኩምን ኢኹም።
1ይ ቆሮንቶስ 6:11
ዓሰርተ ምናን ሃቦም።
ሉቃስ 19:13
ከምቲ ገዛኡ ሓዲጉ ዝገይሽ ሰብ እሞ፥ ንኣገልገልቱ ንነፍሲ ወከፎም ሓላፍነት ሂቡ ሰስራሖም ዘትሕዞም፥ ነቲ ሓላዊ ኣፍ ደገውን፥ ክነቅሕ ከም ዝእዝዞ እዩ።
ማርቆስ 13:34
ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፥ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፥ ነቲ ኻልኣይ ክልተ መክሊት፥ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ መክሊት ሂብዎም ናብ ካልእ ሃገር ከደ።
ማቴዎስ 25:15
ሓደኳ ኽሰርሐላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመፅእ ኣላ እሞ፥ መዓልቲ እንተላ፥ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽሰርሕ ይግብአኒ እዩ።
ዮሃንስ 9:4
ከም ዝግብአኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” በሎም።
ሉቃስ 2:49
ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ፥ ምእንታኻትኩም መከራ ተቐበለ፤ ኣርኣያውን ሓደገልኩም።
1ይ ጴጥሮስ 2:21
ነቲ ቓል ስበኽ፤ ብምችዊ እዋንን ኣብ ዘይምችዊ እዋንን፥ ድልዊ ኹን፤ ኣረድእ፤ ምኸር፤ ገስፅ፤ ብዓብዪ ትዕግስቲ፥ ብምምሃር ትጋህ።
2ይ ጢሞቴዎስ 4:2
ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስራሕ፥ ክገሃድ እዩ፤ እታ መዓልቲ።
1ይ ቆሮንቶስ 3:13
ስለዙይ፥ ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ፃዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኮነ ፈሊጥኩም ኢኹምሞ፥ ፅኑዓት፥ ዘይትነቓነቑ፥ ኵሉ ጊዜ ስራሕ ጐይታ ዝበዝሐልኩም ኩኑ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:58
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ29 ነሓ 2026
ምሳሌ 16:20 · ሮሜ 4:20–21
28 ነሓ 2026
ራእይ 12:10 · ራእይ 12:11
27 ነሓ 2026
ዳዊት 119:105 · ዳዊት 17:4–5
26 ነሓ 2026
ዘፀኣት 28:36 · ዕብራውያን 12:14
25 ነሓ 2026
ኢሳይያስ 51:1 · ዳዊት 51:5
24 ነሓ 2026
ዘፀኣት 3:7 · ኢሳይያስ 53:3






