28 ነሓ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 29 ነሓሰ: ብእግዚኣብሄር ዝእመን ከዓ ብፁእ እዩ (ምሳሌ 16:20)
ዕለታዊ ብርሃን
ብእግዚኣብሄር ዝእመን ከዓ ብፁእ እዩ።
ምሳሌ 16:20
ግና ብእምነቱ እናበርትዐ ደኣ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ሃበ እምበር፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ተስፋስ ኣይተጠራጠረን። ነቲ ዝሃቦ ተስፋ፥ እግዚኣብሄር ክፍፅሞ ኸም ዝኽእል፥ ኣፀቢቑ ተረዲኡ ነበረ።
ሮሜ 4:20–21
ህዝቢ ይሁዳ ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝኣመኑ ሰዓሩ።
2ይ ዜና 13:18
ኣምላኽና መዕቘቢናን ሓይልናን፥ ብዝረኸበና ብርቱዕ መከራውን ረዳኢና እዩ። ስለዙይ ምድሪ እንተ ተናወፀት፥ እምባታትውን ናብ ዓሚቝ ባሕሪ እንተ ሰጠሙ፥ ማያቱ እንተ ሃመመን እንተ ተናወፀን፥ እምባታትውን ካብ ሓይሉ ዝተልዓለ እንተ ኣንቀጥቀጡ፥ ንሕናስ ኣይንፈርሕን ኢና።
ዳዊት 46:1–2
ብሰብ ካብ ምትእምማን፥ ብእግዚኣብሄር ምትእምማን ይበልፅ። ብገዛእቲ ተስፋ ኻብ ምግባር፥ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ምግባር ይበልፅ።
ዳዊት 118:8–9
ኣካይዳ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይፀንዕ፤ ንመንገዱውን ይፈቱ። እንተ ተዓንቀፈውን ኣይድንግፅን፤ እግዚኣብሄር ኢዱ ሒዙ ይድግፎ እዩ እሞ።
ዳዊት 37:23–24
እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጠዓሙን ረአዩን፤ ኣብኡ ዝእመን ሰብ ዝተባረኸ እዩ። እቶም ዝፈርሕዎ ዝኾነ ኣይስእኑን እዮም እሞ፥ ኵልኻትኩም ቅዱሳኑ፥ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ።
ዳዊት 34:8–9
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብእምነት እተሕድረኒ እሞ፥ እህርስን ብሰላም እድቅስን ኣለኹ።
ዳዊት 4:8
ካብ ግርማ ለይቲ ... ብግልግለኡ ኽኽውለካ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉውን ክትተኣማመን ኢኻ።
ዳዊት 91:5, 4
ንደቅኺ ኽእክቦም ክንደይ ዘይደለኹ!
ማቴዎስ 23:37
ንእግርኻ ንምንዋፅ ኣይህቦን፤ እቲ ዝሕልወካውን ኣይድቅስን። እንሆ፥ እቲ ንእስራኤል ዝሕሉ፥ ኣይድቅስን፤ ኣይታኸስንውን። እግዚኣብሄር ይሕልወካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ብየማናይ ኢድካ ኽጋርደካ እዩ።
ዳዊት 121:3–5
ኣብ ድንኳንካ ንዘለኣለም ክነብር እየ፤ ኣብ ፅላል ኣኽናፍካውን ክኽወል እየ።
ዳዊት 61:4
ፀልማት ኣባኻ ኣይፅልምትን እዩሞ፥ ለይቲ እውን ከም መዓልቲ ተብርህ እያሞ፥ ከም መጠን ፀልማታ ብርሃና ኸምኡ እዩ።
ዳዊት 139:12
ንወዱ እኳ፥ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ሃቦ እምበር ዘየናሕሰየሉስ፥ ከመይ ደኣ ምስኡ፥ ኵሉ ብልግሲ ዘይህበና?
ሮሜ 8:32
ንስኻትኩም ድማ ናይ ክርስቶስ ኢኹም፤ ክርስቶስ ከዓ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 3:23
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ዕቡይን ኵሩዕን ንዅሉ ልዕል ዝበለን፥ ዘዋርደሉ መዓልቲ ኣለዎ።
ኢሳይያስ 2:12
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ27 ነሓ 2026
ዳዊት 119:105 · ዳዊት 17:4–5
26 ነሓ 2026
ዘፀኣት 28:36 · ዕብራውያን 12:14
25 ነሓ 2026
ኢሳይያስ 51:1 · ዳዊት 51:5
24 ነሓ 2026
ዘፀኣት 3:7 · ኢሳይያስ 53:3
23 ነሓ 2026
ኤርሚያስ 31:3 · 2ይ ተሰሎንቄ 2:13–14
22 ነሓ 2026
ሮሜ 14:7–8 · 1ይ ቆሮንቶስ 10:24






