27 ነሓ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 28 ነሓሰ: እቲ ለይትን መዓልትን፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዝኸሶም ዝነበረ
ዕለታዊ ብርሃን
እቲ ለይትን መዓልትን፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዝኸሶም ዝነበረ፥ ከሳሲ ኣሕዋትና፥ ተደርቢዩ እዩ እሞ።
ራእይ 12:10
ሳላ ደም እቲ በጊዕን፥ ሳላ ቓል ምስክርነቶምን ድማ ሰዓርዎ።
ራእይ 12:11
እቲ ዘፅድቕ እግዚኣብሄር እዩ፤ ነቶም ናይ እግዚኣብሄር ሕሩያት ዝኸሶም ደኣ መን እዩ? እቲ ዝዅንንከ መን እዩ? እቲ ዝሞተ፥ ካብ ሞት ዝተስአ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኮይኑውን፥ ምእንታና ዝማልድ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ሮሜ 8:33–34
ነቶም ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ኣፅዋሮም ገፊፉ ምስ ሰዓሮም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ብግልፂ።
ቈላስይስ 2:15
እዙይ ከዓ ብሞቱ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ንዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኽስዕሮ፥ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሓት፥ ምሉእ ዕድመኣቶም ብባርነት ተኣሲሮም ንዝነበሩ ኸዓ፥ ሓራ ምእንቲ ኸውፅእ ኢሉ እዩ።
ዕብራውያን 2:14–15
እምበኣር ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ፥ በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ፥ ካብቶም ሰዓርቲ የመና ንበልፅ ኢና።
ሮሜ 8:37
ንተንኰል ሰይጣን ምክልኻል ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ብምሉኡ ልበሱ። ናይ ምድሓን ቁራዕ ርእሲ ድፍኡ፤ ናይ መንፈስ ሰይፊ ድማ ሓዙ፤ ንሱውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ።
ኤፌሶን 6:11, 17
ግና ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ክነሸንፍ ዝገበረና እግዚኣብሄር፥ ምስጋና ይኹኖ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:57
ኣብ ማእኸል ገነት ከዓ እታ ህይወት እትህብን።
ዘፍጥረት 2:9
እግዚኣብሄር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሂቡና እዩ፤ እዛ ህይወት እዚኣ ኸዓ ኣብ ወዱ ኣላ።
1ይ ዮሃንስ 5:11
ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ከይጠፍእስ፥ እግዚኣብሄር ንሓደ ወዱ ቤዛ ገይሩ ኽሳዕ ዝህብ፥ ክንድዙይ ንዓለም ኣፍቀሮ።
ዮሃንስ 3:16
ንምዉታን ከም ዘተስኦም ህያዋንውን ከም ዝገብሮም፥ ወልድ ድማ፥ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም። ከምቲ ንኣብ ናይ ባዕሉ ህይወት ዘለዎ፥ ንወልድውን ናይ ባዕሉ ህይወት ክህልዎ ሃቦ።
ዮሃንስ 5:21, 26
ይስማዕ። ነቲ ዝስዕር፥ ካብታ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ዘላ፥ ኦም ህይወት ክበልዕ፥ ክህቦ እየ።’
ራእይ 2:7
ብማእኸል እቲ ኣደባባይ ድማ፥ ይውሕዝ ነበረ። ነቲ ፈለግ ብኽልተ ጐኑ ድማ፥ በብወርሑ እናፈረየት፥ ኣብ ዓመት ዓሰርተ ኽልተ ጊዜ፥ ፍረ እትህብ፥ ኦም ህይወት ነበረት። ቈፅሊ እታ ኦም እቲኣ ኸዓ፥ ንዅሉ ህዝቢ ዝፍውስ ነበረ።
ራእይ 22:2
እቲ ጥበብ ዝረክብ፥ ... ኣብ የማና ነዊሕ ዕድመ፥ ... ንሳ ንዝሕዝዋ ኦም ህይወት እያ፤ ኵሉ ዝምርኰሳውን ብፁእ እዩ።
ምሳሌ 3:13, 16, 18
ብእግዚኣብሄር ይመካሕ ተብሂሉ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ካብ እግዚኣብሄር ጥበብን።
1ይ ቆሮንቶስ 1:30
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ26 ነሓ 2026
ዘፀኣት 28:36 · ዕብራውያን 12:14
25 ነሓ 2026
ኢሳይያስ 51:1 · ዳዊት 51:5
24 ነሓ 2026
ዘፀኣት 3:7 · ኢሳይያስ 53:3
23 ነሓ 2026
ኤርሚያስ 31:3 · 2ይ ተሰሎንቄ 2:13–14
22 ነሓ 2026
ሮሜ 14:7–8 · 1ይ ቆሮንቶስ 10:24
21 ነሓ 2026
ዳዊት 119:57 · 1ይ ቆሮንቶስ 3:21






