25 ነሓ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 26 ነሓሰ: ብፅሩይ ወርቂ ጌርካ ድማ ሓደ ገይፂ ግበር (ዘፀኣት 28:36)
ዕለታዊ ብርሃን
“ብፅሩይ ወርቂ ጌርካ ድማ ሓደ ገይፂ ግበር። ኣብኡ ኸዓ ኸም ቅርፂ ማሕተም ጌርካ፥ ‘ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ’ ዝብል ፀሓፈሉ።
ዘፀኣት 28:36
ሓደኳ ንእግዚኣብሄር ዝሪኦ የለን እሞ፥ ቅዱሳን ክትኮኑ ፀዓሩ።
ዕብራውያን 12:14
ኣብ ከዓ ኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዝደሊ፤ እግዚኣብሄር መንፈስ እዩ፤ እቶም ዝሰግዱሉ ድማ፥ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግዱሉ ይግባእ” በላ።
ዮሃንስ 4:24
ኵላትና ኸም ዝረኸሰ ሰብ ኰንና፤ ፅድቅናውን ከም ናይ መርገም ጨርቂ እዩ።
ኢሳይያስ 64:6
ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ ክኸብር እየ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ እዙይ እዩ በሎ።
ዘሌዋውያን 10:3
ሕጊ እታ ቤት ድማ እዙይ እዩ፤ እቲ ኣብ ዝባን እቲ እምባ፥ ኣብ ኵሉ ዙርያኡ ዘሎ ቦታ፥ የመና ቕዱስ እዩ።
ሕዝቅኤል 43:12
ኦ ጐይታ፥ ንነዊሕ ዘመን ንቤትካ ቕድስና ይግባእ።
ዳዊት 93:5
ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኽቕደሱስ፥ ኣነ ምእንትኣቶም ንርእሰይ እቕድስ ኣለኹ።
ዮሃንስ 17:19
እምበኣር ንሰማያት ዝዓረገ ዓብዪ ሊቀ ካህናት፥ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዘለና ... እምበኣር ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፥ ረድኤት ብዘድልየና ጊዜውን፥ ፀጋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ናብቲ ፀጋ እንረኽበሉ ዙፋን እግዚኣብሄር፥ ብምትእምማን ንቕረብ።
ዕብራውያን 4:14, 16
ፅዋዐይ መሊኡ ይፈስስ ኣሎ።
ዳዊት 23:5
እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጠዓሙን ረአዩን፤ ኣብኡ ዝእመን ሰብ ዝተባረኸ እዩ። እቶም ዝፈርሕዎ ዝኾነ ኣይስእኑን እዮም እሞ፥ ኵልኻትኩም ቅዱሳኑ፥ ንእግዚኣብሄር ፍርሕዎ። ሃብታማት ደኸዩ፤ ጠመዩውን፤ ንእግዚኣብሄር ዝደልይዎ ግና ኻብ ኵሉ ሰናይ ኣይጐድሎምን።
ዳዊት 34:8–10
ርህራሄኡ ኣይውዳእን እዩ እሞ። ንግሆ ንግሆ ሓድሽ እዩ፤ ተኣማንነትካውን ብዙሕ እዩ።
ሰቆቃወ 3:22–23
እግዚኣብሄር ክፍሊ ርስተይን ፅዋዐይን እዩ፤ ነቲ ዕፃይ እተፅንዖ ንስኻ ኢኻ። ገመድ ኣብ ዝፀበቐ ቦታ ወደቐትለይ፤ ርስተይውን ፀበቐትለይ።
ዳዊት 16:5–6
ኬፋ ኾነ ዓለም፥ ህይወት ኮነ ሞት፥ ዘሎ ኾነ ዝመፅእ፥ ኵሉ ናታትኩም እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 3:22
እቲ ብዅሉ መንፈሳዊ በረኸት፥ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና፥ ኣቦ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ እግዚኣብሄር ይባረኽ።
ኤፌሶን 1:3
ስለ ዝሰኣንኩ ኣይኮነን፤ ዘለኒ ይኣኽለኒ ምባል ተምሂረ እየሞ።
ፊልጵስዩስ 4:11
“ዘለኒ ይኣኽለኒ” ንዝብል ግና፥ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ።
1ይ ጢሞቴዎስ 6:6
ኣምላኸይ ከም መጠን ሃብቱ፥ ብኽብሪ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ኵሉ ድልየትኩም ክመልአልኩም እዩ።
ፊልጵስዩስ 4:19
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ24 ነሓ 2026
ዘፀኣት 3:7 · ኢሳይያስ 53:3
23 ነሓ 2026
ኤርሚያስ 31:3 · 2ይ ተሰሎንቄ 2:13–14
22 ነሓ 2026
ሮሜ 14:7–8 · 1ይ ቆሮንቶስ 10:24
21 ነሓ 2026
ዳዊት 119:57 · 1ይ ቆሮንቶስ 3:21
20 ነሓ 2026
ዘሑልቍ 23:19 · ያእቆብ 1:17
19 ነሓ 2026
1ይ ጴጥሮስ 1:15 · 1ይ ተሰሎንቄ 2:11–12






