26 ነሓ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 27 ነሓሰ: ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፥ ንመንገደይ ብርሃን እዩ
ዕለታዊ ብርሃን
ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፥ ንመንገደይ ብርሃን እዩ።
ዳዊት 119:105
ኣፈይ ስራሕ ሰብ ከይዛረብ ፍቓደይ እዩ፤ ስለ ቓል ከናፍርካ ጭንቂ ዝኾኑ መንገድታት ሓለኹ። ኣእጋረይ ከይናወፃ ኣካይዳይ ብመንገድኻ ኣፅንዕ።
ዳዊት 17:4–5
ንሱ ኽትከይድ እንተለኻ ይመርሐካ፤ ክትድቅስ እንተለኻ ይሕልወካ፤ ምስ ነቓሕኻውን የነጋግረካ። ትእዛዝ መብራህቲ፥ ሕጊ ብርሃን እዩሞ።
ምሳሌ 6:22–23
ንየማን ወይ ንፀጋም እንተ ኣግለስካ፥ ብድሕሬኻ “እታ መንገዲ እዚኣ እያ ብኣኣ ኺድ” ዝብል ድምፂ ኣእዛንካ ኽሰምዓ እየን።
ኢሳይያስ 30:21
እቲ ዝኽተለኒ ኸዓ ብርሃን ህይወት ይረክብ እምበር፥ ብፀልማት ኣይኸይድን እዩ እናበለ ተዛረቦም።
ዮሃንስ 8:12
ነዙይ ብዝበለፀ ዘረጋግፀልና፥ ቃል ነቢያትውን ኣለና። ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ፥ ኮኸብ ፅባሕ ኸዓ፥ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝወፅእ፥ ነዝ ቃል እዙይ።
2ይ ጴጥሮስ 1:19
ሕዝስ ከም ብመስትያት ብፅልግልግ ንርኢ ኣለና፤ ሽዑ ግና፥ ገፅ ንገፅ ክንርኢ ኢና። ሕዚ ፍልጠተይ ጐደሎ እዩ፤ ሽዑ ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኣይ ዝፈልጠኒ፥ ፍልጠተይ ምሉእ ክኸውን እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 13:12
ድሕሪ ደጊምስ ለይቲ ኣይኸውንን፤ ብርሃን ቀንዲልን ብርሃን ፀሓይንውን ኣየድልዮምን እዩ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን፥ ክነግሱ እዮም።
ራእይ 22:5
እቲ ሓለቓ መርከብ ከዓ ናብኡ ቐሪቡ “ንምንታይ ትድቅስ? ተስእ፤ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከይንጠፍእ እንተ ዘከረና፥ ስም ኣምላኽካ ፀውዕ” በሎ።
ዮናስ 1:6
ብሰንኪ እቲ ሕሱም ጥፍኣት ዘምፅእ ርኽሰት፥ ኣብዝ ስፍራዙይ ዕረፍቲ የብልኩምንሞ ተስኡ ኺዱ።
ሚክያስ 2:10
ኣእምሮኹም፥ ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ፥ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ።
ቈላስይስ 3:2
ሃብቲ እንተ በዝሐ ልብኹም ኣይተዓበ።
ዳዊት 62:10
ሕዚ ድማ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግልዎ።
1ይ ዜና 22:19
ንሱ ኸዓ “ስለ ምንታይ ትድቅሱ? ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፥ ተሲእኹም ፀልዩ” በሎም።
ሉቃስ 22:46
“እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ብድንገት ከይትመፀኩምስ፥ ብስስዐን ብስኽራንን፥ ብናይ ናብራ ሓሳብን፥ ልብኹም ከይኸብድ ንርእስኹም ተጠንቀቑ!
ሉቃስ 21:34
መርዓዊ ምስ ደንጐየ ድማ፥ ኵለን ተታኺሰን ደቀሳ።
ማቴዎስ 25:5
“ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ እቲ ዝመፅእ ክመፅእ እዩ፤ ኣይድንጕን ከዓ እዩ።
ዕብራውያን 10:37
ካብ ድቃስ እትበራበሩሉ እዋን ሕዚ እዩ፤ ምድሓንና፥ ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜ፥ ሕዚ የመና ቐሪቡ ኣሎ።
ሮሜ 13:11
እቲ በዓል ገዛ፥ ምሸት ወይ ፍርቂ ለይቲ ወይ ደርሆ ነቆ ወይ ንግሆ፥ መአዝ ኸም ዝመፅእ ስለ ዘይትፈልጡ፥ ድንገት መፂኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩምስ ‘ንቕሑ’።
ማርቆስ 13:35–36
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ25 ነሓ 2026
ኢሳይያስ 51:1 · ዳዊት 51:5
24 ነሓ 2026
ዘፀኣት 3:7 · ኢሳይያስ 53:3
23 ነሓ 2026
ኤርሚያስ 31:3 · 2ይ ተሰሎንቄ 2:13–14
22 ነሓ 2026
ሮሜ 14:7–8 · 1ይ ቆሮንቶስ 10:24
21 ነሓ 2026
ዳዊት 119:57 · 1ይ ቆሮንቶስ 3:21
20 ነሓ 2026
ዘሑልቍ 23:19 · ያእቆብ 1:17






