24 ነሓ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 25 ነሓሰ: ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት፥ ካብቲ ረግረግ ፀብሪ ድማ ኣውፅአኒ
ዕለታዊ ብርሃን
ናብቲ ዝተቘረፅኩምሉ እምንን፥ ናብቲ ዝተዅዓትኩሙሉ ጕድጓድን ተመልከቱ።
ኢሳይያስ 51:1
እንሆ፥ ብዓመፃ ተፀነስኩ።
ዳዊት 51:5
በታ ዝተወለድክላ መዓልቲ ... ኣብቲ ጋሕ ዝበለ በረኻ ተደርበኺ፤ ሓደ እኳ እዙይ ክገብረልኪ ኢሉ፥ ራህሪሁ ብለውሃት ቈላሕ ዝበለኪ ዓይኒ የለን። “ብኣኺ እንትሓልፍ፥ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕ ክትብሊ እንተለኺ ኸዓ ረአኹኺ እሞ፥ ኣቲ ኣብ ደምኪ ዘለኺ ብህይወት ንበሪ በልኩኺ።
ሕዝቅኤል 16:5–6
ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት፥ ካብቲ ረግረግ ፀብሪ ድማ ኣውፅአኒ፤ ነእጋረይ ኣብ ኰዅሒ ኣቝሙ ንስጕምተይ ኣፅንዖ። ሓድሽ መዝሙር ምስጋና ንኣምላኽና ናብ ኣፈይ ወሰኸ፤ ብዙሓት ክሪኡ።
ዳዊት 40:2–3
ንሕና ድኹማት እንተለና፥ ክርስቶስ በቲ ውሱን ጊዜ፥ ምእንቲ ሓጥኣን ሞተ። ክንዲ ፃድቕ ዝመውት እኳ ዝርከብ ኣይመስልን፤ ክንዲ ሕያዋይ ሰብ ግና፥ ክመውት ዝደፍር ምናልባሽ ኣይምተስኣነን ይኸውን። ግና ንሕና፥ ገና ሓጥኣን እንተለና፥ ክርስቶስ ምእንታና ሞይቱ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር፥ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፥ በዙይ የርኢ ኣሎ።
ሮሜ 5:6–8
ግና እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ምእንቲ እታ ብኣኣ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፥ ብበደልና ምዉታን እኳ እንተ ነበርና፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና።
ኤፌሶን 2:4–5
ከምቲ ኣኽሊል፥ ኣብ ርእሱ ዝደፍአ መርዓዊ፥ ከምታ ሽልማት።
ኢሳይያስ 61:10
ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ እባርኾ፤ ምስጋናኡውን ኵልሻዕ ኣብ ኣፈይ እዩ። ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ትኸብር፤ ገርህታት እዙይ ሰሚዖም ይተሓጐሱ። ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኴንኩም፥ ልዕል ልዕል ኣብልዎ፤ ንስሙውን ሓቢርና ልዕል ልዕል ነብሎ።
ዳዊት 34:1–3
እግዚኣብሄር ሞገስን ክብርን ይህብ፤ ነቶም ብቕንዕና ዝኸዱ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ሰናይ ዝኾነ ኣይኸልኦምን። ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ብኣኻ ዝተኣመነ ብፁእ እዩ።
ዳዊት 84:11–12
ኦ ነፍሰይ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፤ ኵሉ ኣዕፅምተይውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ።
ዳዊት 103:1
ዝተሓጐሰ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ መዝሙር ምስጋና ይዘምር።
ያእቆብ 5:13
ናብ ጥፍኣት ስለ ዘብፅሕ፥ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ብመዝሙርን ብቕኔን ብመንፈሳዊ ዜማን፥ ንስንሳትኩም ተዘራረቡ፤ ንጐይታ፥ ብምሉእ ልብኹም እናዜምኩምን እናዘመርኩምን፥ ኣመስግኑ። ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ስለ ዅሉ ነገር።
ኤፌሶን 5:18–20
ብልብኹም ንእግዚኣብሄር ዘምሩ።
ቈላስይስ 3:16
ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ፥ ጳውሎስን ሲላስን እናፀለዩ፥ ንእግዚኣብሄር ብመዝሙር የመስግኑ ነበሩ፤ እቶም ካልኦት እሱራትውን ይሰምዕዎም ነበሩ።
ግብሪ ሃዋርያት 16:25
ኵልሻዕ ብጐይታ ተሓጐሱ፤ ደጊመ ተሓጐሱ እብል ኣለኹ።
ፊልጵስዩስ 4:4
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ23 ነሓ 2026
ኤርሚያስ 31:3 · 2ይ ተሰሎንቄ 2:13–14
22 ነሓ 2026
ሮሜ 14:7–8 · 1ይ ቆሮንቶስ 10:24
21 ነሓ 2026
ዳዊት 119:57 · 1ይ ቆሮንቶስ 3:21
20 ነሓ 2026
ዘሑልቍ 23:19 · ያእቆብ 1:17
19 ነሓ 2026
1ይ ጴጥሮስ 1:15 · 1ይ ተሰሎንቄ 2:11–12
18 ነሓ 2026
ዘዳግም 3:24 · ዳዊት 89:6






