3 መስ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 4 መስከረም: ተጠንቀቕ፤ ተረጋጋዕ፤ ኣይትፍራሕውን (ኢሳይያስ 7:4)
ዕለታዊ ብርሃን
ቦኤዝ ነዝ ነገርዙይ ሎሚ እንተይፈፀመ ኣይዓርፍን እዩ እሞ፥ እቲ ነገር ከመይ ከም ዝውዳእ ክሳዕ እትፈልጢ ስቕ በሊ ጓለይ በለታ።
ሩት 3:18
ተጠንቀቕ፤ ተረጋጋዕ፤ ኣይትፍራሕውን፤ በዞም ክልተ ዝትክዩ ትንታጋት።
ኢሳይያስ 7:4
ዕረፉ፤ ኣነውን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ ፍለጡ።
ዳዊት 46:10
ኢየሱስ ድማ “እንተ ኣሚንክስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ክትርኢ ኢኺዶ ኣይበልኩኽን?” በላ።
ዮሃንስ 11:40
ትዕቢት ወዲ ሰብ ክዋረድ እዩ፤ ትምክሕቲ ሰብ ድማ ኸንቱ ክኸውን እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ልዕል ክብል እዩ።
ኢሳይያስ 2:17
ንሳ፥ ኣብ ትሕቲ እግሪ ኢየሱስ ተቐሚጣ፥ ቃሉ ትሰምዕ ነበረት።
ሉቃስ 10:39
ማርያምስ ነቲ ዝበለፀ ግደ መሪፃ ኣላ፤ ካብኣ ዝወስደላ ሓደኳ የለን” ኢሉ መለሰላ።
ሉቃስ 10:42
ብምምላስን ብምዕራፍን ክትድሕኑ ኢኹም፤ ብህድኣትን ብምትእምማንን፥ ሓይሊ ክኾነልኩም እዩ፤ ንስኻትኩም ግና ኣበኹም።
ኢሳይያስ 30:15
ኣብ መደቀሲኹም እንተለኹም ድማ ብልብኹም መርምሩ፤ ህድእውን በሉ።
ዳዊት 4:4
ንእግዚኣብሄር ተገዛእ፤ ንእኡውን ተስፋ ግበር፤ መንገዱ ብዝቐንዐሉ፥ ክፍኣትውን ብዝኣልም ሰብ ኣይትቕናእ።
ዳዊት 37:7
ካብ ክፉእ ነገርውን ኣይፈርሕን፤ ብእግዚኣብሄር ንምእማን ልቡ ፅኑዕ እዩ። ትምኒቱ ኣብ ፀላእቱ ኽሳዕ ዝርኢ።
ዳዊት 112:7–8
ብእኡ ዝኣምን ኣይሓፍርን እዩ።
ኢሳይያስ 28:16
ንስኻ ሕዚ ኣይትፈልጦን ኢኻ፤ ደሓር ግና ኽትፈልጦ ኢኻ በሎ።
ዮሃንስ 13:7
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ በዘን ኣርብዓ ዓመታት ኣብ ምድረ በዳ ዝመርሐኩም፥ ትእዛዛቱ ትሕልዉ እንተ ዄንኩም ወይ ዘይትሕልዉ እንተ ዄንኩም፥ ኣብ ልብኹም ዘሎ ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ክፍትነኩም ኢሉ ብመከራ ኸም ዘሕለፈኩም ዘክሩ።
ዘዳግም 8:2
“ብኣኺ ሓሊፈ ረአኹኺ፤ እንሆ ኸዓ ጊዜኺ፥ እቲ ጊዜ ፍትወት ነበረ። ... ዕርቃንኪ ኸወልኩ፤ መሓልኩልኪ፤ ኪዳን ኣተኹልኪ፤ ናተይውን ኮንኪ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ሕዝቅኤል 16:8
እግዚኣብሄር ነቲ ዝፈትዎ እዩ ዝግስፅሞ።
ዕብራውያን 12:6
ኣቱም ፍቑራተይ፥ ከም ሓዊ ዘቃፅል ፈተና ኽረኽበኩም እንተሎ፥ ሓድሽ ነገር ከም ዝበፅሐኩም ኴንኩም ኣይትገረሙ። ናይ ክርስቶስ መከራ ኽትካፈሉ እንተለኹም ግና ተሓጐሱ፤ ንሱ ብግርማ ኽግለፅ እንተሎ፥ የመና ኽትሕጐሱ ኢኹም።
1ይ ጴጥሮስ 4:12–13
እዝ ቐልጢፉ ዝሓልፍን፥ ቀሊል ዝኾነ መከራና ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝበልፅን፥ ማዕረ ዘይብሉን፥ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ኸውህበና እዩ። እቲ ዝረአ ሓላፋይ እዩ፤ እቲ ዘይረአ ግና ዘለኣለማዊ እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 4:17–18
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ2 መስ 2026
ዳዊት 27:14 · ኢሳይያስ 40:28–29
1 መስ 2026
ገላትያ 5:22–23 · ኢሳይያስ 29:19
31 ነሓ 2026
ሮሜ 5:16 · ኢሳይያስ 1:18
30 ነሓ 2026
ኣስቴር 5:2 · ዘፀኣት 22:27
29 ነሓ 2026
ምሳሌ 16:20 · ሮሜ 4:20–21
28 ነሓ 2026
ራእይ 12:10 · ራእይ 12:11






