4 መስ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 5 መስከረም: ከምቲ ሰብነት ሓደ እንተሎስ፥ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ
ዕለታዊ ብርሃን
ከምቲ ሰብነት ሓደ እንተሎስ፥ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፥ ... ክርስቶስውን ኸምኡ እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 12:12
ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን።
ቈላስይስ 1:18
ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩውን፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሸሞ። ንሳ ኣካሉ እያ፤ ንኣኣን ንዅሉን ዝመልእ፥ ናቱ ምልኣቱ እያ።
ኤፌሶን 1:22–23
ንሕና ኸዓ፥ ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ኢና።
ኤፌሶን 5:30
እንተ ኾነ ስጋ ኣዳሎኻለይ።
ዕብራውያን 10:5
ነቲ ገና ዘይተሰርሐ ኣካለይ፥ ኣዒንትኻ ረአያ፤ እቶም ዝተፈጠሩ መዓልትታተይ ሓደኳ እንተይነበረ፥ ኣብ መፅሓፍካ ተፅሓፉ።
ዳዊት 139:16
ናትካ ነበሩ፤ ንኣይ ድማ ሃብካኒ።
ዮሃንስ 17:6
ኣብ ቅድሚኡ ቕዱሳንን፥ ነውሪ ዘይብልናን ምእንቲ ኽንከውን።
ኤፌሶን 1:4
ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋት በዅሮም ምእንቲ ክኸውን፥ ነቶም ኣቐዲሙ ዝሓረዮም።
ሮሜ 8:29
ብዅሉ ነገር ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ንዕበ። ብክርስቶስ ከዓ፥ ኵሉ እቲ ሰብነት ብምሉኡ፥ በቲ ዝተውሃቦ መገጣጠሚ ተተሓሒዙን ተጠሚሩን ... ናይ ባዕሉ ስራሕ እናገበረ፥ ብፍቕሪ ይዓብን ይህነፅን።
ኤፌሶን 4:15–16
ንርእሶም ከዓ ማይ ዘየዕቍር፥ ነቓዕ ሓፅብታት ኲዒቶም እዮም።
ኤርሚያስ 2:13
ኦ ጐይታ፥ ንምሕረትካ ኽንደይ ኣብዛሕኻ! ኵሎም ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍካ ይእመኑ። ካብ ቤትካ ጠሊ ይሰትዩ፤ ካብ ወሓዚ በረኸትካ ተርውዮም። ናይ ህይወት ፍልፍል ካባኻ እዩሞ።
ዳዊት 36:7–9
ስለዙይ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ እቶም ባሮተይ ክበልዑ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትጠምዩ ኢኹም፤ እንሆ፥ እቶም ባሮተይ ክሰትዩ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትፀምኡ ኢኹም።
ኢሳይያስ 65:13
ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ግና፥ ንዘለኣለም ኣይፀምእን፤ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ፥ ኣብ ውሽጡ ዝፍልፍል ዓይኒ ማይ ክኾነሉ እዩ” በላ።
ዮሃንስ 4:14
እዙይ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣምኑ፥ ክቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝተዛረበ።
ዮሃንስ 7:39
“ኣቱም ፅሙኣት ኵልኻትኩም ናብ ማይ ንዑ።
ኢሳይያስ 55:1
መንፈሱን እታ መርዓትን፥ “ነዓ” ይብሉ ኣለዉ፤ እቲ ዝሰምዕውን “ነዓ” ይበል። ዝፀምአ ኸዓ ይምፃእ፤ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።
ራእይ 22:17
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ3 መስ 2026
ዘፀኣት 13:7 · ምሳሌ 8:13
2 መስ 2026
ዳዊት 27:14 · ኢሳይያስ 40:28–29
1 መስ 2026
ገላትያ 5:22–23 · ኢሳይያስ 29:19
31 ነሓ 2026
ሮሜ 5:16 · ኢሳይያስ 1:18
30 ነሓ 2026
ኣስቴር 5:2 · ዘፀኣት 22:27
29 ነሓ 2026
ምሳሌ 16:20 · ሮሜ 4:20–21






