13 መስ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 14 መስከረም: እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ (ኢሳይያስ 51:12)
ዕለታዊ ብርሃን
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ፥ ኣነ እየ ዘፀናንዐኩም።
ኢሳይያስ 51:12
እቲ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምፅንናዕን ዝኾነ፥ ናይ ጐይታና ኢየሱሱ ክርስቶስ ኣምላኽን ኣቦን እግዚኣብሄር ይባረኽ። በቲ ንባዕልትና ኻብ እግዚኣብሄር እንፀናንዐሉ ምፅንናዕ፥ ነቶም ኣብ መከራ ዘለዉ ዅላቶም ክነፀናንዕ ምእንቲ ኽከኣለና፥ ብመከራና ዅሉ ዘፀናንዐና ንሱ እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 1:3–4
ከምቲ ኣቦ ንውሉዱ ዝርህርሀሎም፥ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዝፈርሕዎ ይርህርሀሎም እዩ። ንሱ ኣፈጣጥራና ይፈልጥ እዩሞ፤ ኦ ጐይታ፥ ንሕና መሬት ምዃንና ዘክር።
ዳዊት 103:13–14
ከምቲ እኖ ንውሉዳ እተፀናንዖ፥ ከምኡ ኸፀናንዐኩም እየ።
ኢሳይያስ 66:13
ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፥ ንዅሉ ዘጨንቐኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።
1ይ ጴጥሮስ 5:7
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና መሓርን ርህሩህን ኣምላኽ ኢኻ፤ መዓትካ ዝረሓቐ ምሕረትካን ፅድቅኻን ዝበዝሐ ኢኻ።
ዳዊት 86:15
ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዝነብር ... ንሱ ናይ ሓቂ መንፈስ እዩ።
ዮሃንስ 14:16–17
መንፈስ [ቅዱስ] ብድኻምና ይሕግዘና እዩ።
ሮሜ 8:26
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክሕብስ እዩ። እቲ ቐዳማይ ስርዓት ሓሊፉ እዩ፤ እንሆ ዅሉ ተሓዲሱ እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይህሉን እዩ” እንትብል ሰማዕኹ።
ራእይ 21:4
ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም።
1ይ ቆሮንቶስ 1:9
እቲ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ” ዝብል ድምፂ ኻብቲ ልዑል ግርማ ምስ መፀ፥ ካብ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ክብርን ግርማን ተቐበለ።
2ይ ጴጥሮስ 1:17
ውሉድ እግዚኣብሄር ተብሂልና ምእንቲ ኽንፅዋዕ፥ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ከመይ ዝበለ ፍቕሪ ኸም ዝሃበና እስኪ ረአዩ! ውሉድ እግዚኣብሄርውን ኢና።
1ይ ዮሃንስ 3:1
እምበኣር ከም ፍቑራት ውሉድ፥ ተኸተልቲ እግዚኣብሄር ኩኑ።
ኤፌሶን 5:1
እምበኣር ውሉድ እግዚኣብሄር ካብ ኮንና፥ ወረስቲ እግዚኣብሄር ኢና፤ ንእግዚኣብሄር ወረስቱ ኻብ ኮንና ኸዓ።
ሮሜ 8:17
ንሱውን ክብሪ እግዚኣብሄር መግለፂ፥ ንዅሉ ነገር ብናይ ቃሉ ሓይሊ ዘቕውም።
ዕብራውያን 1:3
ከምኡ ኸዓ ነቲ ፅቡቕ ግብርኹም ሪኦም፥ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኸመስግንዎ፥ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።
ማቴዎስ 5:16
ንዅሉ ውርደት ንዒቑ፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ፥ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሰ፥ ኣብ የማን ዙፋን እግዚኣብሄር ዝተቐመጠ።
ዕብራውያን 12:2
ሓጐሰይ ኣብኣቶም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ድማ፥ እዙይ ኣብ ዓለም እዛረብ ኣለኹ።
ዮሃንስ 17:13
ከምቲ ናይ ክርስቶስ መከራ ኣባና ዝበዝሕ፥ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ምፅንናዕና ኽበዝሕ እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 1:5
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ12 መስ 2026
ኢሳይያስ 57:18 · ዘፀኣት 15:26
11 መስ 2026
ሮሜ 12:2 · ዘፀኣት 23:2
10 መስ 2026
ኤርሚያስ 32:9 · ሕዝቅኤል 36:26
9 መስ 2026
ሉቃስ 1:53 · ራእይ 3:17–19
8 መስ 2026
ዳንኤል 5:27 · 1ይ ሳሙኤል 2:3
7 መስ 2026
ሮሜ 12:12 · ቈላስይስ 1:5






