ዕለታዊ ብርሃን, 10 መስከረም: ንባዕላቶምን ብድሕሪኦም ከዓ ንደቆምን፥ ሰናይ ምእንቲ ክኾነሎም

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

ንባዕላቶምን ብድሕሪኦም ከዓ ንደቆምን፥ ሰናይ ምእንቲ ክኾነሎም፥ ኵልሻዕውን ክፈርሑኒ፥ ሓደ ልብን ሓደ መንገድን ክህቦም እየ።

ሓድሽ ልቢ ድማ ኽህበኩም፥ ሓድሽ መንፈስ ከዓ ኸሕድረልኩም።

እግዚኣብሄር ሕያዋይን ቅኑዕን እዩ፤ ስለዙይ ንሓጥኣን መንገዲ ይመርሖም። ንሱ ንየዋሃን ብፍርዲ ይመርሖም፤ ንገርህታትውን መንገዲ ይምህሮም እዩ። ነቶም ቃል ኪዳኑን ምስክሩን ዝሕልዉ፥ ኵሉ መንገዲ እግዚኣብሄር ሕያዋይነትን ሓቅን እዩ።

ኦ ኣቦ! ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ፥ ዓለም ምእንቲ ኽኣምንስ፥ ኵላቶምውን ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ ንስኻ ኣባይ ከም ዘለኻ፥ ኣነውን ኣባኻ ኸም ዘለኹ፥ ከምኡ ድማ ንሳቶም፥ ኣባና ምእንቲ ክኾኑ እልምን ኣለኹ።

ነቲ ዝተፀዋዕኹምሉ መፀዋዕታ፥ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እልምነኩም ኣለኹ። ብሓቂ ትሑታትን፥ ለዋሃትን ኩኑ፤ ... ነቲ ናይ መንፈስ [ቅዱስ] ሕብረት፥ ብመእሰሪ ሰላም ጠሚርኩም ክትሕልውዎ ፀዓሩ። ከምቲ ንሓደ ተስፋ ዝተፀዋዕኹም፥ ሓደ ሰብነት፥ ሓደ መንፈስ ኣሎ። ሓደ ጐይታ፥ ሓንቲ እምነት፥ ሓንቲ ጥምቀት፥ ከምኡውን እቲ ልዕሊ ዅሉን፥ ብዅሉን፥ ኣብ ኵሉን፥ ኣቦ ዅሉን ዝኾነ፥ ሓደ እግዚኣብሄር ኣሎ።

እቶም ንእግዚኣብሄር ተኣማሚኖም ዝፅበዩ ግና፥ ሓይሎም ይሕድሱ።

ብመከራ እሕጐስ ኣለኹ።

ካብ ማህፀን ጀሚሩ ዝሰርሐኒ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል።

ንሱ ግና “ሓይለይ ኣብ ድኻም እዩ ፍፁም ዝኸውን እሞ፥ ፀጋይ ይኣኽለካ” በለኒ። ስለዙይ ሓይሊ ክርስቶስ፥ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኽሓድር፥ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።

ወይ ከዓ ምሳይ ሰላም ይግበር።

ትካዘካ ኣብ እግዚኣብሄር ደርቢ፤ ንሱውን ኽድግፈካ እዩ።

ቀላፅም ኣእዳዉ ድማ በእዳው እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል።

ያእቆብ ከዓ “እንተይባረኽካኒ ኣይሰደካን እየ” በሎ።

ንስኻ ብሰይፍን ብዂናትን ብመዝረቕን ትመፀኒ ኣለኻ። ኣነ ግና ብስም እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ በቲ ንስኻ እተባጭወሉ ዘለኻ ኣምላኽ ሰራዊት እስራኤል፥ እመፀካ ኣለኹ።

ኦ ጐይታ፥ ነቶም ዝገፍዑኒ ግፍዓዮም፤ ነቶም ዝዋግኡኒውን ተዋግኣዮም። ዋልታን ኲናትን ሓዝ፤ ንኣይ ንምርዳእውን ተልዓል።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።

ናይ ቀረባ መዓልታት

ኩሉ ርአ