8 መስ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 9 መስከረም: ሃብታም እየሞ የመናውን መሊኡለይ ኣሎ (ራእይ 3:17)
ዕለታዊ ብርሃን
ንጥሙያት ብበረኸት ኣፅገቦም፤ ንሃብታማት ግና ጥራሕ ኢዶም ሰደዶም።
ሉቃስ 1:53
“ሃብታም እየሞ የመናውን መሊኡለይ ኣሎ፤ ሓደኳ ዘድልየኒ ነገር የብለይን” ብምባልካ፥ ሕሱርን፥ ዘደንግፅን፥ ድኻን፥ ዕዉርን፥ ዕሩቕን፥ ምዃንካ ኣይፈለጥካን ኢኻ። ምእንቲ ኽትህብትም፥ ብሓዊ ዝፀረየ ወርቂ ኻባይ ክትዕድግ ... ኣነ፥ ነቶም ዘፍቅሮም እግስፆምን እቐፅዖምን እየ። ደጊም ንቓሕ እሞ ተነሳህ።
ራእይ 3:17–19
ንፅድቂ ዝጠምዩን ዝፀምኡን ብፁኣን እዮም፤ ክፀግቡ እዮም እሞ።
ማቴዎስ 5:6
ፅጉማትን ድኻታትን ማይ ይደልዩ፥ ግና ኣይረኽቡን፥ መልሓሶም ከዓ ብፅምኢ ነቐፀ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ክሰምዖም እየ፤ ኣነ ኣምላኽ እስራኤል ኣይሓድጎምን እየ።
ኢሳይያስ 41:17
ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኩኻ ኣምላኽካ እግዚኣብሄር ኣነ እየ፤ ኣፍካ ኽፈት፤ ኣነውን ክመልኦ እየ።”
ዳዊት 81:10
ገንዘብኩም እንጀራ ንዘይኮነ፥ ፃማኹም ድማ ነቲ ዘየፅግበኩም፥ ንምንታይ ተጥፍኡ? ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፤ ነቲ ዝፀበቐ ኸዓ ብልዑ፥ ነፍስኹምውን ብጥዑም ምግቢ ኽትሕጐስ እያ።”
ኢሳይያስ 55:2
ናይ ህይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ እቲ ናባይ ዝመፅእ ኣይጠምን፤ እቲ ብኣይ ዝኣምንውን፥ ከቶ ኣይፀምእን እዩ።
ዮሃንስ 6:35
ኣነ ግና ኣእጋረይ ክሰናኸላ፥ ኣካይዳይውን ከንደልህፅ ቀሪበ ነበርኩ።
ዳዊት 73:2
እግረይ ኣንደልሃፀ ምስ በልኩ፥ ኦ ጐይታ፥ ምሕረትካ ረድአኒ።
ዳዊት 94:18
ኢየሱስ ስምኦን! ስምኦን! እንሆ ሰይጣን ከም ስርናይ ክሓሕየኩም ለመነ። ኣነ ግና፥ እምነትካ ኸይትጠፍእ ምእንታኻ ፀለኹ።
ሉቃስ 22:31–32
ፃድቕ ሸውዓተ ጊዜ ይወድቕ፤ ይትስእውን።
ምሳሌ 24:16
እንተ ተዓንቀፈውን ኣይድንግፅን፤ እግዚኣብሄር ኢዱ ሒዙ ይድግፎ እዩ እሞ።
ዳዊት 37:24
ኣቲ ፀላኢተይ፥ እንተ ወደቕኩ ኽትስእ፥ ኣብ ፀልማት እንተ ተቐመጥኩውን እግዚኣብሄር ብርሃነይ እዩ እሞ፥ ብኣይ ኣይትተሓጐሲ።
ሚክያስ 7:8
ካብ ሽዱሽተ ኽፉእ ነገር ከድሕነካ እዩ፤ ኣብ መበል ሻውዓይ ግና ኽፉእ ኣይነኽአካን እዩ።
ኢዮብ 5:19
ሓደኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተ ሃልዩ፥ ኣብ ቕድሚ ኣብ፥ ጠበቓ ኣለና፤ ንሱውን፥ እቲ ፃድቕ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
1ይ ዮሃንስ 2:1
ስለዙይ ድማ ዅሉ ጊዜ ምእንትኣቶም ክማልድ፥ ንዘለኣለም ህያው ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ዝመፁ፥ ንዘለኣለም ከድሕኖም ይኽእል እዩ።
ዕብራውያን 7:25
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ7 መስ 2026
ሮሜ 12:12 · ቈላስይስ 1:5
6 መስ 2026
ሰቆቃወ 3:41 · ዳዊት 113:5–6
5 መስ 2026
1ይ ቆሮንቶስ 12:12 · ቈላስይስ 1:18
4 መስ 2026
ሩት 3:18 · ኢሳይያስ 7:4
3 መስ 2026
ዘፀኣት 13:7 · ምሳሌ 8:13
2 መስ 2026
ዳዊት 27:14 · ኢሳይያስ 40:28–29






