ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ምስ ቅዱስ ኣምላኽ ስለ እተራኸብና፡ ንሕና እውን ቅዱሳት ክንከውን ከም ዘሎና የዘኻኽረና ኣሎ (1 ጴጥ. 1:16)። እታ “እንተ ዀይኑ” እትብል ቃል “ስለ ዝዀነ” ተባሂላ እውን ክትርጎም ትኽእል እያ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ጴጥሮስ ምዕዶ ንኽንርድኦ ይሕግዘና። ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦና ቅዱስ ስለ ዝዀነ (ዮሃ. 17:11)፡ ጻድቕ እውን ስለ ዝዀነ (ዮሃ. 17:25)፡ ንሓጢኣት ብቑምነገር ክንወስዶ ይግባእ። ንሱ ብዛዕባ ሓጢኣት ፈጺሙ ኣይተላዘብን፡ ንሕና እውን ከምኡ ክንገብር የብልናን። ሓጢኣት ምስ ተናዘዝናን ንስሓ ምስ ኣተናን፡ ከምኡ ምሕረተኛን ብጸጋ ዝመልአን ክንከውን ይግባእ። ግናኸ ከም ፍቑርን ተኸናኻንን ኣቦ፡ ንዝቕጽል ሓጢኣት ኣይዕገስን እዩ።
ኣብ 1 ጴጥሮስ 1:17፡ ጴጥሮስ ብዛዕባ ምድሓን ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት እዩ ዚዛረብ ዘሎ፡ ብዛዕባ ናብ ሰማይ እንኸደሉ መገዲ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ኣብ ምድሪ ዘሎና ግብሪ እዩ። ብሓቂ ዝደሓነ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰባትን ቅዱስ ህይወት ኪነብር ይግባእ።
ጴጥሮስ ንኣንበብቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጓኖት ምዃኖም እውን የዘኻኽሮም። እታ “ምቕማጥ” እትብል ቃል፡ ከም ጓኖት ምቕማጥ፡ ከም ወጻእተኛታት ምንባር ማለት እያ። ብፍቕርና ንክርስቶስን ኣገልግሎትና ንእኡን ዚጸልዉ ነገራት እዛ ዓለም እዚኣ ኸይከብዱናስ፡ ብፍርሃት ክንነብር ይግባእ። እዚ ንብዙሓት ዘገርም ቃል ኪመስል ይኽእል እዩ፡ ግናኸ እታ “ፍርሃት” እትብል ቃል ኣብዚ፡ ህይወት ፍርሃት ምንባር ማለት ኣይኰነን። ኣብዚ፡ ፍርሃት ማለት ንኣምላኽ ብኽብሪ ምንባር፡ ንእኡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ፍርሃት ምሓዝ ማለት እዩ፡ እዚ ድማ ነቲ ኻብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንነብረሉ መገዲ ዚጸልዎ እዩ። ንባዕለይ ወይ ንኻልኦት ካብ ምሕጓስ ንእኡ ምሕጓስ ዝያዳ ምግደስ ማለት እዩ። ከመይሲ፡ ንኣምላኽና ንምሕጓስ እንተ ንነብር፡ ንመን ከም ዘየሐጐስናዮ ኣገዳሲ ኣይኰነን። ንኣምላኽና እንተ ዘየሐጐስናዮ ድማ፡ ንመን ከም ዘሐጐስናዮ ኣገዳሲ ኣይኰነን!




