ንኻልኦት ናብ ጐይታ የሱስ ምምጻእ ክንደይ ዘደንቕ እዩ፡ ብጸሎት ይኹን ወይ ንምድሓን። ነዞም ንፈታዊኦም ናብ ጐይታ ዘምጽኡ ኣርባዕተ ሰባት ንምሰል።
ጐይታ የሱስ ነቲ ስንክልና እቲ ሰብኣይ ረኣየ፡ ግናኸ ልዕሊኡ ድማ ልቢ እቲ ሰብኣይን መንፈሳዊ ሓገዝ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝቐረበ ሰብኣይን ረኣየ። የሆዋ ኣብ ግዳማዊ ገጽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ልቢ እውን ይርኢ (1 ሳሙ. 16:7)። የሆዋ ሕጂ ባዕሉ ከም ሰብኣይ፡ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ቅድሚኦም ነበረ።
ስለዚ ጐይታ ነዚ ሽባ ዝነበረ ሰብኣይ ሓጢኣቱ ተሓዲጉሉ ምዃኑ ኣወጀ። ኣብ ካልእ ቦታ ድማ፡ መሰረት ምሕረት እቲ ክርስቶስ ምእንታና ዘፍሰሶ ደም ምዃኑ ንረክብ (ኤፌ. 1:7)። ኣብዚ ግና፡ እቲ ነጥቢ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ንሓጢኣት ኪሓድግ ኩሉ ስልጣን ከም ዝነበሮ እዩ። እዚ ድማ ንሱ ሰብኣይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ባዕሉ ኣምላኽ ምዃኑ የመልክት! እቶም ጸሓፍቲ ኣምላኽ በይኑ ጥራይ እዩ ሓጢኣት ኪሓድግ ዚኽእል ብምባል ቅኑዓት ነበሩ (ማር. 2:7)፡ ግናኸ ኣብ ቅድሚኦም ኣምላኽ ብስጋ ተገሊጹ ነበረ።
ጥቕሲ 4 ካብ ወንጌል ማቴዎስ ኣስተብህሉ፡ “የሱስ ሓሳባቶም ፈሊጡ” ትብለና። ጐይታ ከም ወዲ ሰብ፡ ልቢ እቲ ሽባ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓሳባት እቶም ጸሓፍቲ እውን ይፈልጥ ነበረ። ብሓቂ፡ ንሱ የሆዋ እዩ፡ ንዓና ዚምርምረናን ዚፈልጠናን፡ ሓሳባትና ኻብ ርሑቕ ዚርድኣናን (መዝ. 139:1–4)።
ድሕሪኡ፡ ከም ወዲ ሰብ ንሓጢኣት ኪሓድግ ብሓቂ እዚ ስልጣን ከም ዝነበሮ ንምርኣይ፡ ጐይታ የሱስ ነቲ ሽባ ዝነበረ ሰብኣይ ካብ ሽባኡ ኣሕወዮ፡ ተንስእ እሞ ኺድ ድማ በሎ። ጐይታ ነዚ ሰብኣይ እዚ ኺመላለስ ከም ዝገበሮ፡ ከም ወዲ ሰብ ንሓጢኣት ኪሓድግ ይኽእል እዩ።




