እታ ናብ እብራውያን እተጻሕፈት መልእኽቲ፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኩሉ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወይ ድሕሪኡ ዝመጽእ ዘሎ ብምውድዳር፡ ብዛዕባ ልዕልና እትዛረብ መጽሓፍ እያ። እታ መልእኽቲ ብዓብይነት ስብእናኡ ትጅምር። ንሱ ኻብ ነብያትን መላእኽትን ይዓቢ። ንሱ መግለጺ “ሓይሊ” ኣምላኽ ወይ “ምስሊ ባህርዩ” እዩ (እብ. 1:3 NASB)። እዚ ማለት ድማ ብባህርያዊ ህላዌኡ ምስ ኣምላኽ ሓደ ባህርይ ወይ ሓይሊ ኣለዎ ማለት እዩ።
ንሱ ፈጣሪ “ዓለማት” ወይ “ፍጥረት” እዩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ መለኮታዊ ክብሩ ከም ፈጣሪ ዚገልጹ ሰለስተ ጥቕስታት ኣለዉ፡ ዮሃንስ 1፡ ቈሎሴ 1፡ ከምኡ’ውን እብራውያን 1። ንሱ “ኩሉ ነገራት” ፈጢሩ፡ እንተላይ ዘይርኣዩ መላእኽቲ (ቈሎ. 1:16)። “ሓንቲ እኳ” ኻብቲ ዝዀነ ነገር ብዘይካኡ ኣይኰነን (ዮሃ. 1:3)። ንሱ ብተስፋ “ወራሲ ኩሉ ነገራት” እዩ (መዝ. 2:8)፡ ብፍላይ ድማ ፈጣሪ ስለ ዝዀነ።
ግናኸ፡ እቲ ዜደንቕ ነገር፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ እዚ ፈጣሪ ዂሉ ፍጥረት፡ “ምጽራይ ሓጢኣት” ዝገበረ እዩ! እዚ ኺፍጽም ዚኽእል ንሱ ጥራይ እዩ። እቲ ሓጢኣት ናትና እዩ ነይሩ፡ ግናኸ እቲ ናይ ምጽራይ ዕዮ ናቱ ጥራይ እዩ ነይሩ። ነዚ ዕዮ እዚ ምስ ፈጸመ፡ “ኣብ የማን ዓብይነት ኣብ ላዕሊ ተቐመጠ።” ሓደ ሰብኣይ ጥራይ ኣብ የማን ዓብይነት ኣብ ላዕሊ ኺቕመጥ ኣይክእልን እዩ። ክርስቶስ ብሓቂ ሰብኣይ ነበረን እዩን፡ ግናኸ መለኮታዊ ሰብኣይ እዩ። ኻብ የማን ኣምላኽ ዝዓቢ ቦታ ወይ ክብርን የልቦን፡ መድሓኒና ድማ ኣብኡ ተቐሚጡ ኣሎ፡ ንሱ በይኑ ጥራይ እዩ ብቑዕ። ሎሚ፡ ብዛዕባ ዓብይነት ስብእናኡን ብዛዕባ እቲ ምእንታና ዝፈጸሞን ነስተንትን።




