ኣብዚ ከምቶም ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ንኽብሪ ከም እተወለድና ንመሃር! “ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ካብ ምዉታት ናብ ህያው ተስፋ እንደገና ተወሊድና ኢና።” እታ “እንደገና ተወሊድና” እትብል ቃል ካብ ላዕሊ ምውላድ ዝብል ሓሳብ ኣለዋ። እዚ ጐይታ የሱስ ንኒቆዲሞስ ኣብ ዮሃንስ 3 ዝሃቦ ሓሳብ እዩ። ኣብኡ ጐይታ የሱስ ንኒቆዲሞስ “እንደገና ክትውለድ ኣሎካ”—ካብ ላዕሊ ምውላድ—ጥራይ ዘይኮነስ፡ “ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ሓደ እኳ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ኣይከኣልን እዩ” (ዮሃ. 3:5) በሎ። ድሕሪኡ ድማ፡ “ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ድማ መንፈስ እዩ። ‘እንደገና ክትውለድ ኣሎካ’ ኢለካስ ኣይትገረም” (ቁ. 6–7) በለ።
እቲ ኣብ ዮሃንስ 3:5 ተጠቒሱ ዘሎ ማይ፡ ንጥምቀት ማይ ዘይኮነስ፡ ንቓል ኣምላኽ እዩ ዘመልክት። ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተሰነዐ ቓል ኣምላኽ እዩ ሓደ ሰብ ካብ ላዕሊ ዝውለደሉ። ቓል ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ኤፌሶን 5:26 ተጠቒሱ ዘሎ፡ ናይ ምጽራይ ሓይሊ ኣለዎ። “እምነት ከኣ ካብ ምስማዕ እያ እትመጽእ፡ ምስማዕ ድማ ብቓል ክርስቶስ እዩ” (ሮሜ 10:17)። ጴጥሮስ ድሕሪኡ፡ “ዘይሓላፍ ዘርኢ ዘይኮነስ፡ ብዘይሓልፍ፡ ብህያው ቃል ኣምላኽ እንደገና ከም እተወለድና” (1 ጴጥ. 1:23–25) ኣዘኻኺሩና።
ንስኻን ኣነን ንኽብሪ ተወሊድና ኢና። እምነትና ህያው እምነት እያ፡ እዚ ድማ ኣብ ህያው ሰብ፡ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ዝተመስረተ እዩ! ምስ ክርስትያናዊ ህይወት ዝተኣሳሰረ ኩሉ ህያው እዩ! ብሰንኪ ወዲ ህያው ኣምላኽ (ማቴ. 16:16) ህያው ተስፋ ኣሎና፤ ንሱ ህያው እምኒ ስለ ዝኾነ (1 ጴጥ. 2:4–5)፡ ከም ህያዋን ኣእማን ንርአ፤ ኩሉ ድማ ኣብ ህያው ቃል ኣምላኽ (1:23) ንምስርቶ!




