16 መስ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 17 መስከረም: ፍትሒ ናብ ዓወት ክሳዕ ዘብፅሕ (ማቴዎስ 12:20)
ዕለታዊ ብርሃን
ፍትሒ ናብ ዓወት ክሳዕ ዘብፅሕ።
ማቴዎስ 12:20
መስዋእቲ እግዚኣብሄር ዝተሰብረ መንፈስ እዩ፤ እግዚኣብሄር ንዝተሰብረን ንዝተዋረደን ልቢ ኣይንዕቕን እዩ።
ዳዊት 51:17
ነቶም ልቦም ዝቘሰለውን ይፍውሶም፤ ንቝስሎምውን ይፅግን።
ዳዊት 147:3
“እቲ ልዕል ልዕል ዝበለ፥ ስሙውን ቅዱስ ዝኾነ፥ ንዘለኣለም ዝነብር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነቶም ዝተዋረደ መንፈስ ዘለዎም ህያው ክገብር፥ ዝተሰበረ ልቢ ንዘለዎምውን ህያው ክገብር፥ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ፥ ምስቶም ዝተዋረደ መንፈስን፥ ዝተሰበረ ልቢ ዘለዎምን እነብር። ንዘለኣለም ኣይፃላእን፤ ንሓዋሩ ኸዓ ኣይቍጣዕን እየ። ከምዙይ እንተ ዘይኸውንስ መንፈስን፥ እተን ዝፈጠርክወን ነፍሳትን ተስፋ ምቐበፃ ነይረን።
ኢሳይያስ 57:15–16
“ዝጠፍአት ክደሊ፥ እተባረረት ክመልስ፥ እተሰብረት ክፅግን፥ ዝደኸመት ከዓ ኸበርትዕ፥ ነታ ዝሰብሐትን ዝበርትዐትን ግና ኸጥፍእ።
ሕዝቅኤል 34:16
ስለዙይ፥ ዝደንዘዙ ኣእዳውን ዝደኸሙ ኣብራኽን ኣፅንዑ። “ዝሕንክስ ክሓዊ እምበር፥ ዝገደደ ምእንቲ ኸይዘናበልስ፥ ነእጋርኩም ቅኑዕ መንገዲ ግበሩ።”
ዕብራውያን 12:12–13
እንሆ፥ ኣምላኽኩም ሕነ ኽፈዲ፥ ክብቀል ክመፅእ እዩ።
ኢሳይያስ 35:4
እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጠዓሙን ረአዩን፤ ኣብኡ ዝእመን ሰብ ዝተባረኸ እዩ።
ዳዊት 34:8
እቲ ኣቦ ዳስ ግና፥ ነቲ ናብ ወይኒ ዝተለወጠ ማይ፥ ኻበይ ከም ዝመፀ ኣይፈለጠን፤ ... “ኵሉ ሰብ ኣቐዲሙ ጥዑም ወይኒ የስቲ፤ ብዙሕ ምስ ሰተዩ ኸዓ፥ እቲ ዝተሓተ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጥዑም ወይኒ ኽሳዕ ሕዚ ኣፅኒሕኻዮ” በሎ።
ዮሃንስ 2:9–10
ከምቲ ትሕናግ ንብልዒ ዘስተማቕሮ፥ እዝኒ ድማ ንዘረባ ይፈልዮ እዩሞ።
ኢዮብ 34:3
ሓደ ዝዓይነቱ መንፈስ እምነት ስለ ዘለና፥ ንሕና ድማ ነኣምን።
2ይ ቆሮንቶስ 4:13
ግና ንመን ከም ዝኣመንኩ ስለ ዝፈልጥ፥ ኣይሓፍርን እየ።
2ይ ጢሞቴዎስ 1:12
ኣብ ትሕቲ ፅላሉ ደስ ኢሉኒ ተቐመጥኩ፤ ፍረኡውን ንጐረሮይ ጥዑም እዩ።
መሃልየ 2:3
ናብ ንስሃ ኽመርሐካ ኸም ዝኽእል።
ሮሜ 2:4
ንወዱ እኳ፥ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ሃቦ እምበር ዘየናሕሰየሉስ፥ ከመይ ደኣ ምስኡ፥ ኵሉ ብልግሲ ዘይህበና?
ሮሜ 8:32
እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩም፥ ብእኡ ምእንቲ ኽትዓብዩ፥ ከምቶም ሕዚ ዝተወለዱ ህፃናት፥ ነቲ ፅሩይ መንፈሳዊ ፀባ በሃጉ።
1ይ ጴጥሮስ 2:2–3
ኵሎም ብኣኻ ዝእመኑ ግና ክሕጐሱ እዮም፤ ንዘለኣለም ደስ ክብሎም እዩ።
ዳዊት 5:11
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ15 መስ 2026
ሮሜ 6:14–15 · ሮሜ 7:4
14 መስ 2026
ኢሳይያስ 51:12 · 2ይ ቆሮንቶስ 1:3–4
13 መስ 2026
ዮሃንስ 7:37 · ዳዊት 84:2
12 መስ 2026
ኢሳይያስ 57:18 · ዘፀኣት 15:26
11 መስ 2026
ሮሜ 12:2 · ዘፀኣት 23:2
10 መስ 2026
ኤርሚያስ 32:9 · ሕዝቅኤል 36:26






