15 መስ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 16 መስከረም: እግዚኣብሄር ግና፥ ንልቢ ይምዝን (ምሳሌ 21:2)
ዕለታዊ ብርሃን
እግዚኣብሄር ግና፥ ንልቢ ይምዝን።
ምሳሌ 21:2
እግዚኣብሄር ንመንገዲ ፃድቃን ይፈልጦ እዩሞ፤ መንገዲ ክፉኣት ግና ኽትጠፍእ እያ።
ዳዊት 1:6
እግዚኣብሄር ፅባሕ እቲ ናቱ ዝኾነን እቲ ቅዱስን እቲ ናብኡ ዘቕርቦን መን ከም ዝኾነ ኸፍልጥ እዩ።
ዘሑልቍ 16:5
የማነይትኻ እትገብሮ ፀጋመይትኻ ኣይትፍለጦ፤ ምፅዋትካ ብሕቡእ ይኹን፤ እቲ ብስዉር ዝርኢ ኣቦኻ፥ ብገሃድ ክፈድየካ እዩ እሞ።
ማቴዎስ 6:4
ኦ ጐይታ፥ መርምረኒ፤ ንልበይውን ፍለጥ፤ ፈትነኒ፤ መንገደይውን ፍለጥ፤ በደልውን ኣባይ ዝርከብ እንተ ደኣ ኾይኑ ረአ፤ በቲ ናይ ዘለኣለም መንገድውን ምርሐኒ።
ዳዊት 139:23–24
እታ ፍፅምቲ ፍቕሪ፥ ንፍርሓት ኣውፂኣ ደኣ ትድርብያ እምበር፥ ኣብ ፍቕርስ ፍርሓት የለን።
1ይ ዮሃንስ 4:18
ኦ ጐይታ፥ ኵሉ ሃረርታይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ፤ እህህታይውን ካባኻ ዝተሰወረ ኣይኮነን።
ዳዊት 38:9
ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ መንመነት፥ ንስኻ መንገደይ ትፈልጥ።
ዳዊት 142:3
እቲ ልቢ ዝምርምር እግዚኣብሄር፥ ናይ መንፈስ [ቅዱስ] ሓሳብ እንታይ ከም ዝኾነ ይፈልጦ እዩ፤ መንፈስ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ቕዱሳን ይማልድ እዩ እሞ።
ሮሜ 8:27
ይኹን እምበር “ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ካብ ዓመፅ ይርሓቕ፤” ከምኡውን “እግዚኣብሄር፥ ነቶም ናቱ ዝኾኑ ይፈልጦም እዩ” ዝብል፥ ማሕተም ዘለዎ ዘይነቓነቕ መሰረት እግዚኣብሄር፥ ፀኒዑ ኽነብር እዩ።
2ይ ጢሞቴዎስ 2:19
ምሸት ብኽያት ይኸውን፤ ንግሆ ግና ሓጐስ ይኸውን።
ዳዊት 30:5
በዝ መከራዙይ ሓደኳ ኸይሰናኸል፥ ነቲ ሓውና፥ ኣብ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ከዓ፥ መሳርሕትና ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ጢሞቴዎስ፥ ኣብ እምነትኩም ከተባብዐኩምን ከፀናንዐኩምን ለኣኽናዮ። ንሕና፥ ነዝ መከራዙይ ከም ዝተመደብና፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ምሳኻትኩም እንተለናውን፥ መከራ ኸም እንቕበል፥ ኣቐዲምና ነጊርናኩም ኔርና።
1ይ ተሰሎንቄ 3:3–4
ኣብ ዓለም እንተለኹም፥ መከራ ኣለኩም፤ እንተ ኾነ ኣይዞኹም፥ ኣነ ንዓለም ስዒረዮ እየ።”
ዮሃንስ 16:33
ክብርኻ ብምርኣይ ከዓ ኽፀግብ እየ።
ዳዊት 17:15
ለይቲ ሓሊፋ፥ መዓልቲ ቐሪባ ኣላ።
ሮሜ 13:12
ንሱ ኸምቲ ናይ ንግሆ ብርሃን ከም ኣወፃፅዓ ፀሓይ፥ ከምቲ ብድሕሪ ዝናም ዘንፀባርቕ፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ሳዕሪ ኸም ዘብቍል፥ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ ኸም ዝረአ፥ ከም ብርሃን ወጋሕታ እዩ።
2ይ ሳሙኤል 23:4
ንሞት ንዘለኣለም ክውሕጦ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንንብዓት ከዓ ኻብ ናይ ኵሉ ገፅ ክሕብሶ እዩ።
ኢሳይያስ 25:8
እቲ ቐዳማይ ስርዓት ሓሊፉ እዩ፤ እንሆ ዅሉ ተሓዲሱ እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይህሉን እዩ” እንትብል ሰማዕኹ።
ራእይ 21:4
ብድሕሪዙይ ንሕና ብህይወት እንፀንሕ፥ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፥ ምስኣቶም ሓቢርና፥ ብደመና ክንዓርግ ኢና። ... ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን፥ ንስንሳትኩም ተፀናንዑ።
1ይ ተሰሎንቄ 4:17–18
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ14 መስ 2026
ኢሳይያስ 51:12 · 2ይ ቆሮንቶስ 1:3–4
13 መስ 2026
ዮሃንስ 7:37 · ዳዊት 84:2
12 መስ 2026
ኢሳይያስ 57:18 · ዘፀኣት 15:26
11 መስ 2026
ሮሜ 12:2 · ዘፀኣት 23:2
10 መስ 2026
ኤርሚያስ 32:9 · ሕዝቅኤል 36:26
9 መስ 2026
ሉቃስ 1:53 · ራእይ 3:17–19






