ሓደ ዘይእዙዝ ነብዪ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብዝኾነ ይኹን መገዲ ንዝመጽእ መሲሕ፡ ንመድሓኒ ዓለም፡ ኪምስክር ከም ዚኽእል መን እዩ ዝሓስብ ነይሩ? ግናኸ ኣምላኽና “ንኹሉ ነገር ከም ምኽሪ ፍቓዱ ይገብር” (ኤፌ. 1:11)።
እግዚኣብሔር ንዮናስ ናብ ነነዌ ኺኸይድ፡ ክፉእነቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስለ ዝበጽሐ ኸኣ፡ ክጮኽ ኣዘዞ። ዮናስ ግና እግዚኣብሔር ካብ ዝነገሮ ኣንጻር ኣንፈት ከደ። ዘይእዝዝነቱ ናብ ባሕሪ፡ ናብ ከብዲ እቲ ዓብዪ ዓሳ ኸኣ ኣእተዎ። ምስ እግዚኣብሔር የሱስ፡ ወዲ ሰብ፡ ክንደይ ፍልልይ! ንሱ እሙን ኣገልጋሊ ነበረ፡ ወትሩ ንኣቡኡ ዜሐጕስ ይገብር ነበረ (ዮሃ. 8:29)። ወትሩ እዙዝ ነበረ። ናብ ዓለም ምስ መጸ፡ “ኣምላኸይ፡ ፍቓድካ ኽገብር ባህ ይብለኒ” (መዝ. 40:8) ኺብል እዩ። ካብ ዓለም ኪወጽእ ከሎ፡ “ከም ፍቓደይ ዘይኮነስ፡ ከም ፍቓድካ” (ማቴ. 26:39) ኺብል እዩ።
ዮናስ ብሰሪ ዘይእዝዝነቱ ኣብ ዝበጽሖ፡ ወዲ ሰብ፡ እግዚኣብሔር የሱስ ክርስቶስ፡ ብሰሪ እዝዝነቱ በጽሐ። ዮናስ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኣብ ከብዲ እቲ ዓብዪ ዓሳ ነበረ። እቲ ቅዱስ፡ እዙዝ ወዲ ሰብ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኣብ ከብዲ ምድሪ ብሞት ነበረ። ዮናስ ብሰሪ ገዛእ ዘይእዝዝነቱ ኣብኡ ነበረ። ወዲ ሰብ ብሰሪ ዘይእዝዝነትና፡ ናተይን ናትካን፡ ኣብኡ ነበረ።
እቲ “ወዲ ሰብ” ዚብል ስም፡ ንሓቀኛ ሰብኣውነት እግዚኣብሔር የዘኻኽረና። ከም ኣምላኽ መጠን፡ ኪመውት ኣይከኣለን፡ ግናኸ ምእንቲ ስቓይ ሞት ካብ መላእኽቲ ንእሽቶ ንታሕቲ ተገብረ። ዮናስ ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝተፋሕ፡ ወዲ ሰብ ከኣ በታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ንሕጐስ። ዮናስ ከኣ ንነነዌ ኸተማ ከም ዝሰበኸ፡ እግዚኣብሔር የሱስ ከኣ ንኹሎም ዚሰምዑ ሰላም ይሰብኽ እዩ። ድምጹ ሰሚዕካዶ?




