መዝገበ-ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ ኣምልኾ “ንሕግታትን ድሌታትን ኣምላኽ ምምስሳል ወይ ምትግባር፤ ሃይማኖታዊነትን ስነ-ምግባራዊ ቅንዕናን፤ ጥበበኛ ምዃን ማለት ኣብ መዓልታዊ ህይወት ንባህሪ መንግስቲ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ኣምልኾ ምምራሕ እዩ” ይብል። እዚ ጽቡቕ ትርጉም ኪኸውን ይኽእል እዩ፡ ግናኸ እዚ እንታይ ማለት እዩ? ኣምልኾ ከመይ ይመስል? ሓደ ናይ ኣምልኾ ትርጉም “ንባህሪ ኣምላኽ ብቐጻሊ ዜንጸባርቕ ኣነባብራ” ኪኸውን ይኽእል እዩ።
እቲ “ኣምልኾ” ዚብል ቃል ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ ብፍላይ ኣብቶም “ፓስተራዊ መልእኽታት” ዚብሃሉ፡ ቀዳማይን ካልኣይን ጢሞቴዎስን ቲቶስን፡ ኣስታት ዓሰርተ ሽዱሽተ ግዜ ተረኺቡ ኣሎ። ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:5፡ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ቅርጺ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ግናኸ ሓይሉ ዚኽሕዱ ይዛረብ። ንሕና ናይ ኣምልኾ ወጻኢ ቅርጺ ኺህልወና ይኽእል እዩ፡ እዚ ማለት ኣብ ወጻኢ ኹሉ ቅኑዕ ነገር ምግባር ማለት እዩ፡ ግናኸ ኣብ ውሽጢ ትሕዝቶ የብሉን፡ ሓቂ የብሉን። ሓቀኛ ህይወት ኣምልኾ ምስኡ ዝተኣሳሰረ ሓይሊ ኣለዎ፡ ብሓደ ሃይማኖታዊ ህይወት ገይሩ ሓደ ዓይነት ወጻኢ ስርርዕታት ምግባር ጥራይ ኣይኮነን፡ ከም ናብ ቤተ-ክርስትያን ምኻድ ወይ ካልእ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት። እዚ ነገራት እዚ ጽቡቕ እዩ፡ ግናኸ ንዓና ኺቕይረና ሓይሊ የብሉን። ምስ ካልኦት ምእመናን ምእካብ ከይነቋርጽ ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ስርርዕ ባዕሉ ንዓይ ከም ክርስቶስ ኪገብረኒ ሓይሊ የብሉን።
ናብቲ ናይ ኣምልኾ ትርጉምና ንመለስ እሞ ሓደ ሕቶ ንሕተት፡ ኣነ ከመይ ጌረ እየ ንኣነባብራይ ብቐጻሊ ንባህሪ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ክገብሮ ዝኽእል? እቲ መልሲ ንኣምላኽ ብምስዓብ፡ ምስኡ መዓልታዊ ብምኻድ፡ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ናብ ምስሊ ክርስቶስ ኪቕይረኒ ብምፍቃድ ጥራይ እዩ።




