24 መስ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 25 መስከረም: ሓደኳ ዘይጐድለኩም ፍፁማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኮኑ
ዕለታዊ ብርሃን
ሓደኳ ዘይጐድለኩም ፍፁማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ እታ ትዕግስቲ ፍፁም ግብሪ ይሃልዋ።
ያእቆብ 1:4
ብዙሕ ብዝዓይነቱ ፈተና ኽትሓልፉ እኳ ግዲ እንተ ኾነ፥ በዙይ ክትሕጐሱ ኢኹም። እዝ ፈተና እዙይ ዝበፅሐኩም ከዓ፥ እቲ እምነትኩም ብሓዊ ኻብ ዝዅላዕ ብሉፅ ወርቂ፥ የመና ኸቢሩ ምእንቲ ኽርከብ እሞ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ክግለፅ እንተሎ፥ ምስጋናን ስብሓትን ክብርን ምእንቲ ኸምፅአልኩም እዩ።
1ይ ጴጥሮስ 1:6–7
እቲ መከራ፥ ትዕግስቲ ኸም ዘምፅእ ስለ ዝፈለጥና፥ ብመከራና ድማ ንምካሕ እምበር። ብትዕግስቲ ፅንዓት፥ ብፅንዓት ከዓ ተስፋ ይርከብ።
ሮሜ 5:3–4
ሰብ ምድሓን እግዚኣብሄር፥ ብህድኣት ተስፋ እንተ ገበረ ሰናይ እዩ።
ሰቆቃወ 3:26
ንብረትኩም እንትውረርውን ብሓጐስ ተቐበልኩምዎ። እምበኣር ነቲ ብዙሕ ዓስቢ እትረኽቡሉ እምነትኩም ኣይትሕደጉ። ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትፍፅሙን፥ ነቲ ዘተስፈዎ ምእንቲ ኽትቅበሉን፥ ፅንዓት የድልየኩም እዩሞ።
ዕብራውያን 10:34–36
ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ እቲ ዘፍቀረና፥ ብፀጋኡ ኸዓ፥ ዘለኣለማዊ ምፅንናዕን፥ ሰናይ ተስፋውን ዝሃበና እግዚኣብሄር ኣቦና፥ ንልብኹም የፀናንዕ።
2ይ ተሰሎንቄ 2:16–17
እቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌል ከም ዝብሎ፥ በታ እግዚኣብሄር ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ፥ ንሕቡእ ሓሳባት ልቢ ሰብ ዝፈርደላ መዓልቲ።
ሮሜ 2:16
ስለዙይ ነቲ ኣብ ፀልማት ዝተሓብአ፥ ናብ ብርሃን ዘምፅእ፥ ሓሳባት ልቢ ኸዓ ዝገልፅ ጐይታ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ጊዜ እንተይበፅሐ ሓደኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ነናእዳኡ፥ ኻብ እግዚኣብሄር ክቕበል እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 4:5
ኵሉ ሰብ ከምቲ ንኣብ ዘኽብሮ፥ ንወልድ ምእንቲ ከኽብሮ፥ ኵሉ ፍርዲ ንወልድ ሃቦ እምበር፥ ኣብ ንሓደኳ ኣይፈርድን እዩ፤ ንወልድ ዘየኽብር፥ ነቲ ዝለኣኾ ኣብውን ኣየኽብርን። ... ስለ ዝኾነ ድማ ኽፈርድ ስልጣን ሃቦ።
ዮሃንስ 5:22, 27
እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝመስላ ኣዒንቲ ዘለዋኦ፥ ኣእጋሩውን ዘንፀባርቕ ነሃስ ዝመስል ወዲ እግዚኣብሄር።
ራእይ 2:18
“እግዚኣብሄር ከመይ ይፈልጥ? እቲ ልዑልከ ፍልጠትዶ ኣለዎ?” ይብሉ።
ዳዊት 73:11
እዝ ዅሉ ጌርካ ኣነ ስቕ በልኩኻ፤ ኣነ ከማኻ ከም ዝኾንኩ ጠርጠርካ? ኣነ ክግስፀካ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክቐውም እየ።
ዳዊት 50:21
ዘይቕላዕ ክዱን፥ ዘይፍለጥ ሕቡእ የለን።
ሉቃስ 12:2
ኦ ጐይታ፥ ኵሉ ሃረርታይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ፤ እህህታይውን ካባኻ ዝተሰወረ ኣይኮነን።
ዳዊት 38:9
ኦ ጐይታ፥ ፍተነንን መርምረንን፤ ንዀላሊተይን ንልበይን ፍተን።
ዳዊት 26:2
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ23 መስ 2026
እዝራ 9:9 · 1ይ ጴጥሮስ 4:12
22 መስ 2026
ዳዊት 104:34 · መሃልየ 2:3
21 መስ 2026
ሮሜ 8:28 · ዳዊት 76:10
20 መስ 2026
ምሳሌ 3:13 · ምሳሌ 8:35
19 መስ 2026
1ይ ጴጥሮስ 5:10 · ዘፀኣት 33:19
18 መስ 2026
ዳዊት 119:18 · ሉቃስ 24:45






