30 መስ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 1 ጥቅምቲ: ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ፥ ንባዕልኻ ምግዛእ እዩ
ዕለታዊ ብርሃን
ፍረ መንፈስ ቅዱስ ግና፥ ፍቕሪ ... ንባዕልኻ ምግዛእ እዩ።
ገላትያ 5:22–23
እቲ ዅሉ ዝቃለስ፥ ብዅሉ ንባዕሉ መሊኹ እዩ ዝነብር። እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኽቕበሉ ይፅዕሩ፤ ንሕና ግና፥ ነቲ ዘይሓልፍ ኣኽሊል ክንቅበል ኢልና ኢና እንፅዕር። ስለዙይ ኣነ እጐዪ ኣለኹ፤ ግና ኸምቲ ዕላማ ዘይብሉ ኣይኮንኩን። እቃለስ፥ ምስ ንፋስ ከም ዝቃለስ ግና ኣይኮንኩን። ንኻልኦት እናሰበኽኩ፥ ንርእሰይ ዘይበቅዕ ምእንቲ ኸይከውን፥ ንሰብነተይ እቐፅዖን ኣግዝኦን ኣለኹ።
1ይ ቆሮንቶስ 9:25–27
ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ ተመልኡ እምበር፥ ናብ ጥፍኣት ስለ ዘብፅሕ፥ ብወይኒ ኣይትስከሩ።
ኤፌሶን 5:18
ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ክኽተለኒ ዝደሊ ንህይወቱ ይኽሓድ፤ መስቀሉ ኣልዒሉ ድማ ይከተለኒ።
ማቴዎስ 16:24
እምበኣር ንንቃሕ፤ ርእስና ንቘፃፀር ደኣ እምበር፥ ከምቶም ካልኦት ደቀስቲ ኣይንኹን። እቶም ዝድቅሱስ፥ ብለይቲ እዮም ዝድቅሱ፤ እቶም ዝሰኽሩውን፥ ብለይቲ እዮም ዝሰኽሩ እሞ። ንሕና ግና፥ ደቂ መዓልቲ ስለ ዝኾንና።
1ይ ተሰሎንቄ 5:6–8
ሓጢኣትን ዓለማዊ ድልየትን ሓዲግና፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ርእስና መሊኽና፥ ብፅድቅን ብመንፈሳዊ ህይወትን፥ ክንነብር ይምህረና። ከምዙይ ኢልና፥ ነቲ ብሩኽ ተስፋና፥ ናይቲ ዓብዪ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ኽግለፅ፥ ንፅበ ኣለና።
ቲቶ 2:12–13
ብዅሉ ነገር ናብቲ ርእሲ ዝኾነ ክርስቶስ ንዕበ።
ኤፌሶን 4:15
ደሓር ዘለላ፥ ኣብቲ ዘለላ ድማ፥ ብፁሕ ስርናይ።
ማርቆስ 4:28
ንሕና ኸዓ ዅልና ብእምነት ሓደ ዄንና፥ ንወዲ እግዚኣብሄር ፈሊጥና ምሉእ ሰብ ብምዃን፥ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ፍፁምነት ክሳዕ እንበፅሕ እዩ።
ኤፌሶን 4:13
ምስ ርእሶም ስለ ዘመዛዝኑ፥ ንርእሶም ከዓ፥ ምስ ርእሶም ስለ ዘመዓራርዩ፥ ዘየስተውዕሉ እዮም። “እቲ ዝምካሕ፥ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ከም ዝብሎ፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝንእዶ እምበር፥ እቲ ንባዕሉ ዝንእድ ሰብ ኣይኮነን ተቐባልነት ዝረክብ።
2ይ ቆሮንቶስ 10:12, 17–18
እቲ ናይ ብሓቂ ህላዌ ዘለዎ ግና፥ ክርስቶስ እዩ። ሓደኳ ትሕትና ብዝመስልን፥ ንመላእኽቲ ብዝግበር ኣምልኾን፥ ነቲ ዓስብኹም ኣየግድፍኩም፤ እዝ ሰብዙይ በቲ ዝረኽቦ ራእይ እናተመፃደቐ፥ ከንቱ ብዝኾነ ስጋዊ ኣተሓሳስባኡ ዝዕበ እዩ። እዝ ሰብ እዙይ፥ ምስቲ ንሰብነት ብጅማትን መገጣጠምን ኣሲሩ ብምምጋብ፥ እግዚኣብሄር ብዝህቦ ዕብየት ዝዓብየሉ፥ ርእሲ ምስ ዝኾነ ክርስቶስ ርክብ የብሉን።
ቈላስይስ 2:17–19
ግና ብናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ፍልጠትን ዕብዩ። ንእኡ።
2ይ ጴጥሮስ 3:18
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ29 መስ 2026
1ይ ዮሃንስ 3:16 · ኤፌሶን 3:19
28 መስ 2026
ዘሑልቍ 6:27 · ኢሳይያስ 26:13
27 መስ 2026
1ይ ጴጥሮስ 5:6 · ምሳሌ 16:5
26 መስ 2026
ዘዳግም 32:4 · 1ይ ጴጥሮስ 2:23
25 መስ 2026
ያእቆብ 1:4 · 1ይ ጴጥሮስ 1:6–7
24 መስ 2026
ዳዊት 73:28 · ዳዊት 26:8






