ዕለታዊ ብርሃን, 23 ጥቅምቲ: ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኮነትን እሞ ተጠንቀቑ (ሉቃስ 12:15)

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኮነትን እሞ ተጠንቀቑ፤ ካብ ኵሉ ስስዐውን ተዓቀቡ በሎም።

ካብ ብዙሕ ሃብቲ ሓጢኣተኛታት፥ ውሑድ ሃብቲ ፃድቃን ይበልፅ።

ካብ ብዙሕ ሃብቲ ምስ ህውከት፤ ንእግዚኣብሄር እናፈራሕኻ ውሑድ ሃብቲ ይሐይሽ።

“ዘለኒ ይኣኽለኒ” ንዝብል ግና፥ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ። ቀለብን ክዳንን እንተ ረኺብና ይኣኽለና እዩ።

ወይ ደኽየ ኸይሰርቕ እሞ ስምካ፥ ስም ኣምላኸይ ከየፅርፍስ፥ ድኽነትን ሃብትን ኣይትሃበኒ፤ ግና እቲ ዘድልየኒ እንጀራ ሃበኒ።”

ናይ ዕለት ምግብና ሎሚ ሃበና።

ስለዙይ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ። ህይወት ካብ መብልዕ፥ ሰብነት ከዓ ኻብ ክዳንዶ ኣይበልፅን እዩ?

ብዘይ ስንቂ፥ ብዘይ ሳእኒ ምስ ለኣኽኩኹም፥ ዝኾነ ዝጐደለኩምዶ ነይሩ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ዝጐደለና ኣይነበረን በልዎ።

እግዚኣብሄር ባዕሉ “ኣይሓድገካን፥ ሸለልውን ከቶ ኣይብለካን እየ” ኢሉ እዩ እሞ፥ ናብራኻትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፤ በቲ ዘለኩምውን ይኣኽለኒ ምባል ተምሃሩ።

ህያው ዝገብር መንፈስ እዩ።

ህያው ነፍሲ ኾነ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ። እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም ከዓ፥ ህይወት ዝህብ መንፈስ ኮነ።

እቲ ኻብ ስጋ ዝተወለደ ስጋ እዩ፤ እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወለደ ኸዓ፥ መንፈስ እዩ።

ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ብምሕረቱ፥ በቲ ኻልኣይ ልደት ዝህብ ምሕፃብን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ብምሕዳስን ኣድሓነና።

እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ፥ ናይ ክርስቶስ ኣይኮነን። ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ ሃልዩ ግና፥ እቲ ስጋኹም ብሰንኪ ሓጢኣት ምዉት እንተ ኾነኳ፥ እግዚኣብሄር ስለ ዘፅደቐኩም፥ እቲ መንፈስኩም ህያው እዩ። ናይቲ ንኢየሱስ ካብ ሞት ዘተስኦ መንፈስ፥ ኣባኻትኩም ሓዲሩ እንተ ሃልዩ ግና፥ እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ዘተስኦ፥ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፥ በቲ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፥ ህያው ክገብሮ እዩ።

ደጊም ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘለኹ፤ እዝ ሕዚ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ፥ በቲ ዘፍቀረኒ፥ ምእንታይ ከዓ ንባዕሉ ቤዛ ዝሃበ ወዲ እግዚኣብሄር ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ።

ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ሓጢኣት ከይትገብሩ ኸም ዝሞትኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ግና፥ ንእግዚኣብሄር ህያዋን ከም ዝኾንኩም ንርእስኹም ቍፀሩ።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።

ናይ ቀረባ መዓልታት

ኩሉ ርአ