23 ጥቅ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 24 ጥቅምቲ: ፅዮን ግና፥ እግዚኣብሄር ሓዲጉኒ (ኢሳይያስ 49:14)
ዕለታዊ ብርሃን
ካብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ተሰጐጕኩ፤ ግና ናብ ቅዱስ መቕደስካ መሊሰ ኽጥምት እየ’ በልኩ።
ዮናስ 2:4
ፅዮን ግና፥ “እግዚኣብሄር ሓዲጉኒ፤ ጐይታ ኸዓ ረሲዑኒ እዩ” በለት። “ብሓቂ እኖ ንተጥብዎ ውሉዳ ትርስዖዶ? ነቲ ኻብ ማህፀና ዝተወለደኸ ኣይትርህርሀሉንዶ? እወ፥ ንሳ ትርስዕ ትኸውን፤ ኣነ ግና ኣይርስዐክን እየ።
ኢሳይያስ 49:14–15
ነቲ ሰናይ ረሳዕኽዎ። ኣነ ኸዓ “ሓይለይን፥ ብእግዚኣብሄር ዝነበረኒ ተስፋን ጠፊኡ እዩ” በልኩ።
ሰቆቃወ 3:17–18
ኦ ጐይታ! ተበራበር፤ ንምንታይከ ትድቅስ? ተስእ! ንሓዋሩውን ኣይትደርብየና!
ዳዊት 44:23
ኣታ ያእቆብ፥ ኣታ እስራኤልውን፥ ንምንታይ “መንገደይ ካብ እግዚኣብሄር ተሰዊራ እያ፤ ፍርደይ ድማ ኻብ ኣምላኸይ ሓሊፋ እያ” እትብል? ንምንታይከ ኸምዙይ ኢልካ እትዛረብ?
ኢሳይያስ 40:27
ንቑሩብ ጊዜ የመና ስለ ዝተቘጣዕኹ፥ ገፀይ ካባኺ ኸወልኩ፤ ግና ብዘለኣለማዊ ምሕረተይ ክርህርሀልኪ እየ” ይብል እቲ ተቤዛዊኺ እግዚኣብሄር።
ኢሳይያስ 54:8
ኦ ነፍሰይ ንምንታይ ትሓዝኒ? ንምንታይከ ትህውኽኒ? ንመድሓኒ ገፀይ ንኣምላኸይ ከመስግኖ፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኒ።
ዳዊት 43:5
ብዅሉ ወገን ንግፋዕ፤ ግና ኣይንሰዓርን፤ እንገብሮ ይጠፍአና፤ ግና ተስፋ ኣይንቐብፅን፤ የሳጕጉና፤ ግና ኣይንድርበን፤ ተወቒዕና ንወድቕ፤ ግና ኣይንጠፍእን።
2ይ ቆሮንቶስ 4:8–9
ፅጉማትን ድኻታትን ማይ ይደልዩ፥ ግና ኣይረኽቡን፥ መልሓሶም ከዓ ብፅምኢ ነቐፀ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ክሰምዖም እየ።
ኢሳይያስ 41:17
ንሰናይ መን እዩ ዘርእየና? ዝብሉ ብዙሓት እዮም።
ዳዊት 4:6
ሰብ በቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝፀዓሮን ዝደኸሞን እንታይ እዩ ረብሓኡ? ኵሉ ዘመኑ ሓዘን፥ ፃዕርን ትካዘን እዩ፤ ለይቲ እኳ ልቡ ኣይድቅስን፤ ... ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።
መክብብ 2:22–23, 17
ፈልፋሊ ማይ ህይወት ንዝኾንኩ ንኣይ ሓደጉኒ፤ ንርእሶም ከዓ ማይ ዘየዕቍር፥ ነቓዕ ሓፅብታት ኲዒቶም እዮም፤ ኣቱም ሰማያት፥ በዙይ ተገረሙ፤ ደንግፁ፤ የመናውን ራዕራዕ በሉ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኤርሚያስ 2:13
ነቲ ናባይ ዝመፅእ ኸዓ፥ ንወፃኢ ኸቶ ኣየውፅኦን እየ።
ዮሃንስ 6:37
“ማይ ኣብቲ ፅሙእ ቦታ፥ ወሓይዝ ከዓ።
ኢሳይያስ 44:3
ንፅድቂ ዝጠምዩን ዝፀምኡን ብፁኣን እዮም፤ ክፀግቡ እዮም እሞ።
ማቴዎስ 5:6
ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ናባኻ እግስግስ ኣለኹ፤ ነፍሰይ ንኣኻ ፀምአት፤ ዕንፀይትን ማይን ኣብ ዘይብሉ ምድረ በዳ፥ ስጋይ ንኣኻ ከመይ ናፈቐት።
ዳዊት 63:1
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ22 ጥቅ 2026
ዳዊት 108:1 · ዳዊት 27:1
21 ጥቅ 2026
ዮሃንስ 1:16 · ማቴዎስ 17:5
20 ጥቅ 2026
ሮሜ 7:22 · ዳዊት 119:97
19 ጥቅ 2026
ምሳሌ 3:26 · ዳዊት 76:10
18 ጥቅ 2026
ዮሃንስ 19:34 · ዘፀኣት 24:8
17 ጥቅ 2026
ዳዊት 89:16 · ኢሳይያስ 45:24–25






