20 ጥቅ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 21 ጥቅምቲ: ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ፥ ፀጋ ኣብ ልዕሊ ፀጋ ተቐበልና
ዕለታዊ ብርሃን
ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ፥ ፀጋ ኣብ ልዕሊ ፀጋ ተቐበልና።
ዮሃንስ 1:16
ብእኡ ዝተሓጐስኩ ወደይ እዙይ እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ! ዝብል ድምፂ መፀ።
ማቴዎስ 17:5
ውሉድ እግዚኣብሄር ተብሂልና ምእንቲ ኽንፅዋዕ፥ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ከመይ ዝበለ ፍቕሪ ኸም ዝሃበና እስኪ ረአዩ! ውሉድ እግዚኣብሄርውን ኢና።
1ይ ዮሃንስ 3:1
ንኣና በቲ ወራሲ ኵሉ ብዝገበሮ፥ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተናገረና።
ዕብራውያን 1:2
እምበኣር ውሉድ እግዚኣብሄር ካብ ኮንና፥ ወረስቲ እግዚኣብሄር ኢና፤ ንእግዚኣብሄር ወረስቱ ኻብ ኮንና ኸዓ፥ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ መከራ እንተ ተቐቢልና፥ ምስኡውን ክንከብር ኢና።
ሮሜ 8:17
ኣነን ኣብን ሓደ ኢና” ኢሉ መለሰሎም። ... ነቲ ግብረይ እመንዎ” ኢሉ መለሰሎም።
ዮሃንስ 10:30, 38
ናብ ኣምላኸይን ናብ ኣምላኽኩምን፥ ኣዓርግ ኣለኹ’ በሊዮም በላ።
ዮሃንስ 20:17
እዙይ ድማ ኸምቲ ኣነ ኣብኣቶም፥ ንስኻውን ኣባይ ዝኾንካ፥ ንሳቶምውን ብሓድነት ፍፁማን ምእንቲ ክኾኑ እዩ።
ዮሃንስ 17:23
ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሸሞ። ንሳ ኣካሉ እያ፤ ንኣኣን ንዅሉን ዝመልእ፥ ናቱ ምልኣቱ እያ።
ኤፌሶን 1:22–23
እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዝ ዅሉ ተስፋ እዙይ ካብ ሃለወናስ፥ ካብቲ ዅሉ ስጋን መንፈስን ዘርክስ፥ ርእስና ነንፅህ። ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ፥ ቅድስናና ፍፁም ንግበሮ።
2ይ ቆሮንቶስ 7:1
ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኸም ዘይበልፅ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። እምበኣር ነዙይ እንተ ፈሊጥኩምዎ እሞ፥ እንተ ጌርኩምዎ ብፁኣን ኢኹም።
ዮሃንስ 13:16–17
እንሆ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ስምኦን ዝበሃል ሰብ ነበረ። እዝ ሰብ እዙይ፥ ምፅንናዕ እስራኤል ክርኢ ዝፅበ፥ ፃድቕን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሰብ ነበረ፤ መንፈስ ቅዱስ ድማ ሓዲርዎ ነበረ። ... ዮሴፍን ማርያምን ከም ስርዓት ሕጊ ኽገብሩሉ፥ ንህፃን ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣእተውዎ፤ ስምኦን ብመንፈስ ቅዱስ ተለዓዒሉ ናብኡ መፀ።
ሉቃስ 2:24–27
ወዲ ሰብውን፥ ከገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት ቤዛ ገይሩ ኽህብን ደኣ እምበር፥ ከገልግልዎ ኣይመፀን” በሎም።
ማቴዎስ 20:28
ኢየሱስ ... ካብ ድራር ተሲኡ፥ ክዳውንቱ ኣንበረ፤ ዕጣቕ ኣልዒሉውን ተዓጠቐ። ሽዑ ማይ ናብ መሕፀቢ ገይሩ፥ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኽሓፅብን፥ በቲ ዝተዓጠቖ ዕጣቕ ገይሩ ኽውልውልን ጀመረ።
ዮሃንስ 13:3–5
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ19 ጥቅ 2026
ምሳሌ 3:26 · ዳዊት 76:10
18 ጥቅ 2026
ዮሃንስ 19:34 · ዘፀኣት 24:8
17 ጥቅ 2026
ዳዊት 89:16 · ኢሳይያስ 45:24–25
16 ጥቅ 2026
ሮሜ 12:11 · መክብብ 9:10
15 ጥቅ 2026
ዳዊት 59:9 · 2ይ ሳሙኤል 22:2–3
14 ጥቅ 2026
ሮሜ 14:9 · ኢሳይያስ 53:10–11






