14 ጥቅ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 15 ጥቅምቲ: ዋልታይን ቀርኒ ረድኤተይን፥ መፀግዒየይን መሕብኢየይን እዩ
ዕለታዊ ብርሃን
ንሓይለይ ናባኻ ኣዕቝቦ ኣለኹ።
ዳዊት 59:9
እግዚኣብሄር ከውሐይን እምባይን መድሓኒየይን እዩ። እግዚኣብሄር ሓላዊየይ እዩ፤ ብእኡውን እእመን ኣለኹ። ዋልታይን ቀርኒ ረድኤተይን፥ መፀግዒየይን መሕብኢየይን እዩ። ኦ መድሓኒየይ!
2ይ ሳሙኤል 22:2–3
እግዚኣብሄር ሓይለይን ዋልታይን እዩ፤ ልበይ ብእኡ ኣመነ፤ ኣነውን ተረዳእኹ፤ ስጋይ ደስ ይብሎ፤ ፈቒደውን አመስግኖ።
ዳዊት 28:7
ፀላኢ ኸም ውሕጅ እኳ እንተ መፀ፥ ንፋስ እግዚኣብሄር ክሰጎ እዩ።
ኢሳይያስ 59:19
ስለዙይ ብትብዓት “እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፥ ኣይፈርሕን፤ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ?” ንብል።
ዕብራውያን 13:6
እግዚኣብሄር ብርሃነይን መድሓኒተይን እዩ፤ ዘፍርሐኒ ደኣ መን እዩ? እግዚኣብሄር ንህይወተይ መተኣማመመኒኣ እዩ፤ ዘደንግፀኒኸ መን እዩ?
ዳዊት 27:1
እምባታት ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ከም ዝኾኑ፥ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ ህዝቡ እዩ።
ዳዊት 125:2
ረዳእየይ ኴንኻኒ ኢኻሞ፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ኣኽናፍካ እሕጐስ ኣለኹ።
ዳዊት 63:7
ስለ ስምካ ኢልካ መንገደይ ኣቕንዕ፤ ምርሐኒውን።
ዳዊት 31:3
ንሕና ንዝበደሉና ይቕረ ኸም እንብለሎም፥ በደልና ይቕረ በለልና።
ማቴዎስ 6:12
ሓወይ እንተ በደለኒ ኽንደይ ሻዕ ይቕረ ኽብለሉ? ክሳዕ ሸውዓተዶ?” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ሸውዓተ ሻዕ ሰብዓ ደኣ እምበር፥ ክሳዕ ሸውዓተ ኣይብለካን።
ማቴዎስ 18:21–22
ኣነ ስለ ዝለመንካኒ ዅሉ ዕዳኻ ሓደግኩልካ፤ ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሓርኩኻዶ ነቲ ብፃይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብአካን?” በሎ። ጐይታኡ ኸዓ ተቘጢዑ ዅሉ ዕዳኡ ፈፂሙ ኽሳዕ ዝፈዲ ንዘሳቕይዎ ኣሕሊፉ ሃቦ። “እምበኣር ንስኻትኩምውን ነፍሲ ወከፍኩም፥ ንሓዉ ኻብ ልቡ በደሉ እንተ ዘይሓዲጉሉ፥ ሰማያዊ ኣቦይውን ከምኡ ኽገብረኩም እዩ።
ማቴዎስ 18:32–35
ከምቲ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ንስንሳትኩም ለዋሃትን ርህሩሃትን ኴንኩም፥ ይቕረ ተበሃሃሉ።
ኤፌሶን 4:32
ንኣኻትኩምውን ብበደልኩም በቲ ዘይተገረዘ ሓጢኣተኛ ስጋኹም ሞይትኩም ንዝነበርኩም፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረኩም። ነቲ ዝኸሰናን ዝቃወመናን ዝነበረ፥ ኣብ ሕጊ ዘሎ ናይ ዕዳ ፅሑፍ ደምሰሰልና፤ ኣብ መስቀል ሸንኪሩውን ኣወገዶ።
ቈላስይስ 2:13–14
ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ይቕረ በሉ።
ቈላስይስ 3:13
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ13 ጥቅ 2026
ዳንኤል 10:12 · ኢሳይያስ 57:15
12 ጥቅ 2026
2ይ ቆሮንቶስ 5:19 · ቈላስይስ 1:19–20
11 ጥቅ 2026
ዳዊት 22:11 · ዳዊት 13:1–2
10 ጥቅ 2026
ኤፌሶን 3:15 · ኤፌሶን 4:6
9 ጥቅ 2026
ነህምያ 9:17 · 2ይ ጴጥሮስ 3:9
8 ጥቅ 2026
ዕብራውያን 13:6 · ሮሜ 8:35






