8 ጥቅ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 9 ጥቅምቲ: ንስኻ ግና ኣምላኽ ይቕረታን ሰናይን ርህሩህን ኢኻ
ዕለታዊ ብርሃን
ንስኻ ግና ኣምላኽ ይቕረታን ሰናይን ርህሩህን ኢኻ፤ ንቝጥዓ ደንጓዪ።
ነህምያ 9:17
ጐይታስ፥ ኵላቶም ናብ ንስሃ ኽበፅሑ እምበር፥ ሓደኳ ኽጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝኾነ፥ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር፥ ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጕ ዝመስሎም፥ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።
2ይ ጴጥሮስ 3:9
ንኸድሕነኩም ኢሉ ዘርእዮ ዘሎ ትዕግስቲ ሕሰቡ።
2ይ ጴጥሮስ 3:15
በዝ ምኽንያት እዙይ ድማ እየ፥ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ፤ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ነቲ ወሰን ዘይብሉ ትዕግስቱ፥ ቅድም ኣባይ ካብ ኵሉ ዝገደድኩ ሓጢኣተኛ ንዝኾንኩ ብምግላፅ፥ ነቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ኢሎም ብእኡ ዝኣምኑ፥ መርኣያ ገበረኒ።
1ይ ጢሞቴዎስ 1:16
በቲ ኻብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ዝርከብ ትዕግስትን ምፅንናዕን፥ ተስፋ ምእንቲ ኽንረክብ፥ ኵሉ እቲ ኣቐዲሙ ዝተፅሓፈ፥ ንትምህርትና እዩ ዝተፅሓፈ።
ሮሜ 15:4
ወይ ከዓ ብዝሒ ሕያዋይነቱን ትዕግስቱን ዓቕሉንዶ፥ ትንዕቕ ኣለኻ? ሕያዋይነት እግዚኣብሄር፥ ናብ ንስሃ ኽመርሐካ ኸም ዝኽእል፥ ኣይትፈልጥን ዲኻ?
ሮሜ 2:4
ንሱ ለዋህን፥ ርሕሩህን፥ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ምሕረቱ ዝበዝሐ፥ ክፉእ ነገር ካብ ምምፃእ ዝናሳሕ እዩሞ፥ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቕደዱ፤ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ።
ኢዩኤል 2:13
ቃል እግዚኣብሄር ንፁህ ቃል እዩ።
ዳዊት 12:6
ቃልካ የመና ፅሩይ እዩ፤ ባርያኻውን ይፈትዎ።
ዳዊት 119:140
ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፤ ንልቢ የሕጕስ፤ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ብሩህ እዩ፤ ንዓይኒ የብርህ።
ዳዊት 19:8
“ኵሉ ቓል እግዚኣብሄር ኵሉዕ እዩ፤ ንሱ ንዝእመንዎ ዋልታኦም እዩ። ከይግስፀካ፥ ሓሳዊ ዄንካ ኸዓ ኸይትርከብስ፥ ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ።”
ምሳሌ 30:5–6
ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድል፥ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ። ንትእዛዛትካ አስተንትኖ ኣለኹ፤ ንመንገድኻውን እደልዮ ኣለኹ።
ዳዊት 119:11, 15
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ሓቂ ዝኾነ ዅሉ፥ ክቡር ዝኾነ ዅሉ፥ ሰናይ ዝኾነ ዅሉ፥ ንፁህ ዝኾነ ዅሉ፥ ተፈታዊ ዝኾነ ዅሉ፥ ቅኑዕ ዝኾነ ዅሉ፥ ብሉፅ ወይ ምስጉን ዝኾነ ነገር እንተ ሃልዩ፥ ብዛዕባ እዝ ነገራት እዙይ ሕሰቡ።
ፊልጵስዩስ 4:8
እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩም፥ ብእኡ ምእንቲ ኽትዓብዩ፥ ከምቶም ሕዚ ዝተወለዱ ህፃናት፥ ነቲ ፅሩይ መንፈሳዊ ፀባ በሃጉ።
1ይ ጴጥሮስ 2:2
ብእግዚኣብሄር ተልኢኽና፥ ብቕንዕና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ኴንና፥ ንዛረብ ኣለና እምበር፥ ከምቶም ብዙሓት፥ ብቓል እግዚኣብሄር ዝነግዱ ኣይኮንናን።
2ይ ቆሮንቶስ 2:17
ብገሃድ ነቕርብ እምበር፥ ብተንኰል ኣይተመላለስናን።
2ይ ቆሮንቶስ 4:2
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ7 ጥቅ 2026
ዳዊት 25:9 · ማቴዎስ 5:5
6 ጥቅ 2026
ራእይ 19:6 · ኢዮብ 42:2
5 ጥቅ 2026
ዳዊት 50:15 · ዳዊት 42:11
4 ጥቅ 2026
ዘፀኣት 34:29 · ዳዊት 115:1
3 ጥቅ 2026
ራእይ 1:5 · መሃልየ 8:7
2 ጥቅ 2026
ዘሌዋውያን 16:22 · ዳዊት 103:12





