9 ጥቅ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 10 ጥቅምቲ: ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ ዅሎም (ኤፌሶን 3:15)
ዕለታዊ ብርሃን
ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ ዅሎም፥ ኣቦ ኢሎም ንዝፅውዕዎ ኣብ።
ኤፌሶን 3:15
ከምኡውን እቲ ልዕሊ ዅሉን፥ ብዅሉን፥ ኣብ ኵሉን፥ ኣቦ ዅሉን ዝኾነ፥ ሓደ እግዚኣብሄር ኣሎ።
ኤፌሶን 4:6
ንክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን፥ ኵልኻትኩም ውሉድ እግዚኣብሄር ኢኹም።
ገላትያ 3:26
እዙይ ከዓ፥ እቲ ምልኣት ዘመናት ምስ በፅሐ፥ ኵሉ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ዘሎ፥ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ክርስቶስ፥ ምእንቲ ኽጥቕለል እዩ።
ኤፌሶን 1:10
ምስጋናኻ ኽዝምር እየ” ስለ ዝብል “ኣሕዋተይ ክብሎም ኣይሓፍርን እዩ።
ዕብራውያን 2:11
ኵሉ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር፥ ንሱ ሓወይን ሓፍተይን እኖይን እዩ በለ።
ማቴዎስ 12:49–50
ግና ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ ‘ናብ ኣቦይን ናብ ኣቦኻትኩምን፥ ናብ ኣምላኸይን ናብ ኣምላኽኩምን።
ዮሃንስ 20:17
ነፍሳት እቶም ምእንቲ ቓል እግዚኣብሄርን፥ ስለ እቲ ዝሃብዎ ምስክርነትን ዝተሓረዱ፥ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ረአኹ። ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፦ ... ንነፍሲ ወከፎም ድማ፥ ፃዕዳ ኽዳን ተውሃቦም፤ ቍፅሪ እቶም ከምኣቶም ክቕተሉ ዘለዎም፥ ብፆቶም ኣገልገልትን ኣሕዋቶምን፥ ክሳዕ ዝመልእ ኸዓ፥ ገና ንቑሩብ ዘመን ከዕርፉ ተነግሮም።
ራእይ 6:9–11
እዚኣቶም ኵላቶም፥ ብእምነት ዝተመስከረሎም እኳ እንተ ኾኑ፥ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን።
ዕብራውያን 11:40
“ንስኻትኩምስ ክትፅልዩ እንተለኹም ከምዙይ በሉ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፥ ስምካ ይቀደስ።
ማቴዎስ 6:9
ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቈላሕ ኣቢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኦ ኣቦ!
ዮሃንስ 17:1
ናብ ኣምላኸይን ናብ ኣምላኽኩምን።
ዮሃንስ 20:17
ንክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን፥ ኵልኻትኩም ውሉድ እግዚኣብሄር ኢኹም።
ገላትያ 3:26
ንስኻትኩም ነቲ ብእኡ ጌርና “ኣባ! ኣቦ!” ኢልና እንፅውዐሉ፥ መንፈስ ውሉድነት ኢኹም ዝተቐበልኩም እምበር፥ ናብ ፍርሓት ክትምለሱ፥ መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን። ንሕና ውሉድ እግዚኣብሄር ምዃንና ኸዓ፥ እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ባዕሉ እዩ፥ ምስ መንፈስና ኾይኑ ዝምስክር።
ሮሜ 8:15–16
ውሉድ ስለ ዝኾንኩም ከዓ፥ ነቲ “ኣባ፥ ኣቦ” ኢሉ ዝፅውዕ መንፈስ ወዱ፥ ናብ ልብኹም ለኣኾ። ደጊም ውሉድ እምበር ባርያ ኣይኮንካን። ውሉድ ካብ ኮንካ ድማ።
ገላትያ 4:6–7
ንኣይ ሓንቲ እኳ ኣይትልምኑን ኢኹም። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንኣብ ኵሉ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ። ክሳዕ ሕዚ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን፥ ለምኑ፤ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም።
ዮሃንስ 16:23–24
ኣነውን ክቕበለኩም እየ። ኣቦ ክኾነኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣጓላትን ክትኮኑኒ ኢኹም’ይብል፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 6:17–18
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ8 ጥቅ 2026
ዕብራውያን 13:6 · ሮሜ 8:35
7 ጥቅ 2026
ዳዊት 25:9 · ማቴዎስ 5:5
6 ጥቅ 2026
ራእይ 19:6 · ኢዮብ 42:2
5 ጥቅ 2026
ዳዊት 50:15 · ዳዊት 42:11
4 ጥቅ 2026
ዘፀኣት 34:29 · ዳዊት 115:1
3 ጥቅ 2026
ራእይ 1:5 · መሃልየ 8:7






